ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩጽ ፕረዝደንት ጋምብያ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሰኔጋል ቃለ -መሓላ ይፍጽሙ


ምሩጽ ፕረዝደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን- ሰኔጋል
ምሩጽ ፕረዝደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን- ሰኔጋል

ምሩጽ ፕረዝደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው ነዊሕ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ መራሒ’ታ ሃገር ያሕያ ጃመህ ስልጣን ኣየረክብን ኣብ ዝበልሉ እዋን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ጎረቤት ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ጋምቢያ ፕረዝደንታዊ ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

ኣብቲ ስነርስዓት ፅምብል ‘ጋምቢያዊያን ዘይርስዕዋ ዕለታ እያ’ ዝበሉ ባሮው ብምስዓብ "ጋምቢያ ኣብ 1965 ዓ.ም ነፃነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር ጋምቢያዊያን ድምፆም ብምሃብ መንግስቶም ክቕይሩ እዚ ናይ ፈለማ እዩ" ኢሎም።

እቲ ፕረዝደንታዊ ፅምብል ቃለ-መሓላ ኣብ ዋና ከተማ ጋምቢያ ባንጁል ሎሚ ሓሙስ ክካየድ ነይሩዎ።

ንሓደ ቢሊዮን ዓመት ክገዝእ እየ ክብሉ ዝፅንሑ ጃመህ ፈለማ ንውፅኢት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ ክቕበል እየ እንተበሉ ድሒሮም ግን ተጭበርቢሩ እዩ ብዝብል ሓሳቦም ብምቕያር ኣይቀብልን እየ ኢሎም።

ምሩጽ ፕረዝደንት ጋምብያ ኣብ ሰኔጋል ቃለ -መሓላ ይፍጽሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:41 0:00

ጎረባብቲ ጋምቢያ ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ይፍትና ኣለዋ።

ወታሃደራት ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤካዋስ) ኣብ ዶብ ሰኔጋልን ጋምቢያን ሎሚ ሓሙስ ተራእዮም።ላይበሪያ ናይ እዋኑ ኣደ መንበር ኤካዋስ ብምዃና ሚኒስትር ሓበሬታ ላይበሪያ ኡገን ናግበ ወታደራዊ ስጉምቲ ናይ መወዳእታ ኣማረፂ’ዃ እንተኾነ ኩሎም ኣማራፂታት ግን ኣብ ቦቱኦም ኣለው ኢሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንምሩጽ ፕረዝደንት አዳማ ባራው ሕጋዊ ፕረዝደንት ጋምብያ ክኸውን ኣፍልጦ ብምሃብ ሓይልታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ጋምብያ ክዋፈሩ ፈቒዱ'ሎ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ሰኔጋል ናብ ጋምብያ ሎሚ ሓሙስ ምእታዎም ንወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓይልታት ምኽልኻል ሰኔጋል ዝጠቐሳ ክልተ ዓለምለኸ ማእኸናት ዜና ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG