ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ጋምብያ ንሓቅን ዕርቅን ከምዝሰርሑ ሓቢሮም


ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ጋምብያ አዳማ ባሮው
ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ጋምብያ አዳማ ባሮው

ሰዓታት ድሕሪ ምስዳድ መራሒ ጋምብያ ነበር የህያ ጃማህ ካብ መላእ እታ ሃገር ዝተዋጽኡ ሰራዊት ናብ ዋና ከተማ ባንጁል ምእታዎም ተገሊጹ። ነበርቲ እታ ከተማ ድማ ነቲ ናብታ ከተማ ዝኣተወ ሰራዊት ብሓጎስ ምቕባሎም ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ካብ ዞባታት እታ ሃገር ዝተዋጸአ ሰራዊት ንምምላስ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዝደንት ጋምብያ አዳማ ባሮው ንምድላው ብዕላም ሰንበት ናብ ዋና ከተማ ባንጁል ኣትዩ’ሎ። ምሩጽ ፕረዝደንት ኣዳማ ባሮው ድሕሪ ፕረዝደንት እታ ሃገር ነበር የህያ ጃማህ ንውጽኢት ምርጫ ከምዘይቕበሉ ምግላጾም ኣብ ስደት ጎረቤት ሃገር ሴኔጋል ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዝደንት ባራው ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ።

“ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋትና ኣብ ልዕሌና ዝጸንዐ ፖለቲካዊን ናይ ጸጥታ ዕንቅፋት ሕጂ’ውን ገለ ብድሆታት ኣስዒቡ’ዩ እዚ ድማ እቲ መሰረታዊ ክፍታሕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ምውሓስ ሰላምን፡ጸጥታን ምርግጋእን እታ ሃገር አገዳሲ እዩ።”

ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዝደንት ባራው ማያ ኣሕመድ ፋቲ ብተወሳኺ ፕረዝደንት ነበር የህያ ጃማህ ኣብ መወዳእታ ናይ ስልጣን መዓልታት ናይ መንግስቲ ባንክታት ሰሪቆም እዮም ከይዶም ክብሉ ይኸሱ።

“ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ክልተ ሰሙናት ጥራይ አስታት 500 ሚልዮን ዳላሲስ ማለት ልዕሊ 11 ሚልዮን ዶላር ብፕረዝደንት ነበር ካብ ባንክታት ወጺኡ’ዩ። ኣብ ሲቪላዊን ካልኦት ኣገልግሎታት ዘለና ወጻኢ አስታት 200 ሚልዮን ዳላሲስ ማለት 4.5 ሚልዮን ዶላር ክወዳደር ኸሎ ድማ ብጣዕሚ ብዙሕ ገንዘብ እዩ።”

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ባራው ኣብ ጋምብያ ካብ 1994 ዓ.ም ጀሚሩ ክለዓለ ዝጸንሓ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ሓቅን ዕርቅን ከምጽኡ መደብ ከምዘለዎም ደጊሞም ትማሊ ሰንበት ኣረጋጊጾም ኣለው።

ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብታ ሃገር ብዘፈቐደ ምእሳር፡ ስቕያትን መቕተልቲ ገለ ተቓወምቲ ዝብሉ ምግሃሳት ከምዝኻየዱ ክኸሱ ጸኒሖም እዮም።

ትማሊ ሰንበት ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ፕረዝደንት ነበር የህያ ነበር ናይ ኢካቶርያል ጊኒ ምስዳዶም ተፈሊጡ’ሎ። ኢካቶርያል ጊኒ ኣብቲ ንምውሓስ ጾባዊ ጸጥታን ምትእታትውን ዝብል ዝተመስረት ጉጅለ እቲ ዞባ ኣባል ኣይኾነትን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ጋምብያ ንሓቅን ዕርቕ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

XS
SM
MD
LG