ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ


አብ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ፍኖተ ሰላም ሎማዕንቱ ብዝሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንቪኦኤ ገሊጾም።

ሰባት ንናይ ሓደ ሰብ መንበሪ ገዛ ንምቅፃል ኣብዝገፈትንሉ እዋን ካብ ብዓል እቲ ገዛ ብዝተውሃበ ግብረ መልሲ ህይወት ሓደ ሰብ ምጥፍኡ እዮም ወሲኾም ይገልጹ።

ኣብ ከተማ ጎንደር ትማሊ ዝተጀመረ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ሎሚ እውን ቀጺሉ ከምዝወዓለን ኣብ ባህር ዳር ድማ ኣብ ኣድማ ተሳቲፎም ናይ ዝተብሃሉ ትካላት ንግዲ ይዕሸጉ ከምዘለውን ቪኦኤ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ጎንደር ምስ ሕቶ መንነት ወልቃይት ብዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝርከቡ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ናብ ፌደራል ክውሰዱ እዮም ዝብል ወረ ስለዝነበረን ድማ ከምዝተበገሰን ገሊጾምለይ ኣለው ይብል ጸብጻብ መሳርሕትና ሰለሞን ኣባተ።

XS
SM
MD
LG