ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣፍሪካ ቀዳሞት እመቤትታት ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ንምምሕያሽ ከምዝሰርሓ ገሊፀን


Map of Africa
Map of Africa
ቀዳሞት እመቤታት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንት ሃገረን ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆን ጥዕንኦም ንምምሕያሽ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብልን ተዘራሪበን።ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ኣጋይሽ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥን ሓገዝ ንምትእልላሽን ኣብ ሎሳንጀለስ ተራኺቦም ኣለው።

ኣብ ምሉእ ሃገራት ኣፍሪካ ብምኽንያት ወሊድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይስዕብ ዘሎ ሓደጋ ሞት ሕዚ’ውን ዘተሓሳስብ እዩ።ዝወልድኦም ህፃውንቲ ክዓብዩ ድዮም ዝብል ሕቶ እውን ካሊእ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ።ናይ ጊኒ ቀዳማዊት እመቤት ጀነ ካባ ኮንዴ ሓገዝ ንምትእልላሽ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ይርከባ።

ንሰን ዩናይትድ ስቴትስ እትውንኖም ብዙሓት ነገራት የድልዩና እዮም ምስበላ ኣብ ጊኒ ስኣን ናውቲ ሕክምና ህፃውንቲ ብዕሸል ዕድሚኦም ይሞቱ ከምዘለው ሓቢረን።

ቀዳሞት እመቤትታት ግኒ፣ማሊ፣ሞዛምቢክ፣ኒጀርን ናምቢያንን ከምኡ’ውን ካልኦት ሰበስልጣን ኣፍሪካን ኣብታ ክፍለ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ጥዕና ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ድምፆም የስምዑ ኣለው።ብዛዕባ ናይ ህፃውንትን ምስ ወሊድ ዝተኣሳሰረ ናይ ኣዴታትን ሞት፣ምትሕልላፍ HIV/AIDS ካብ ኣደ ናብ ህፃንን ምስ ፅረይት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ዝኣመሰሉ ንምዝርራብ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ጥዕና ቀዳሞት እመቤትታት ኣፍሪካ ክራኸባ እየን።ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ምሕዝነት ዝሰርሓ ኣኒተ ሪቻርድሰን ንፃዕርታት ቀዳሞት እመቤትታት ናእድአን ገሊፀን።ሕዚ’ውን ግን ገና ዝተርፍ ስራሕ ከምዘሎ ይገልፃ።

ናይ ኮንጎ ምንስቴር ጥዕና ኤምሊየኒ ራውል ምንጪ ኣብ ኣፍሪካ ናይ ዘለው ሽግራት ድኽነት እዩ ይብላ።

ምስ ናይ ዓለምለኸን ናይ ወልቂ ትካላትን ብምትሕብባር እንድሕር ተሰሪሑ ብድኽነት ዝፍጠሩ ፀገማት ከወግዱዎ እምነተይ እዩ ይብላ ወሲኸን።
XS
SM
MD
LG