ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊደል ካስትሮ ዓሪፎም


Fidel Castro
Fidel Castro

መራሒ ኩባ ዝነበሩ ፊደል ካስትሮ ኣብ መበል 90 ዓመቶም ዓሪፎም። ሞት ንኩባ ንነዊሕ ዘመናት ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ መርድእ ዝተዛረቡ ሓዎም ራውል ካስትሮ 'ሬሳ ፊደል ካስትሮ ብመሰረት ቃል ሓዎም ሎሚ ቀዳም ተቃጺሉ'ሎ' ኢሎም።

ኣብ 1959 ንለውጢ ኩባ ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ዓለም 'ስርዓተ ኮሚኒዝም' ዘተኣታተው መራሒ'ዮም።

ካስትሮ ንኩባ ካብ 1959 ክሳብ 1976 ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ካብ 1976 ክሳብ 2008 ድማ
ፕረዚደንት ኮይኖም መሪሖም'ዮም።

ሞት ፊደል ካስትሮን ሳዕቤኑን ከምኡውን ኣብ ዳያስፖራ ኩባዊያንን ኣብ'ታ ደሴታዊት ሃገር ዘሎ ህዝቢን ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላያት ኣብ ናይ ጽባሕ ሶኒ ስሩዕ መደብና ክነቅርበልኩም ኢና።

ህይወት ፊደል ካስትሮ ብፎቶግራፍ ዝተደገፈ ሓበሬታ ስዒቡ ቀሪቡልኩ ኣሎ።

http://www.voanews.com/a/fidel-castro-photos/3612756.html

XS
SM
MD
LG