ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኦባማ ንቴለፎን ህንጻ ትራምፕ ክጥለፍ ኣዚዞም'ዶ?' መዘራረቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሚሪካ ኮይኑ


FBI Director James Comey
FBI Director James Comey

ዳይረክተር ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ ኣሜሪካ - FBI ጀምስ ካምይ ነቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንቴለፎን ህንጻ ትራምፕ ክጥለፍ ኣዚዞም’ዮም ዝበልዎ ተባራዒ ሪኢቶ ኣበርዒኖምዎ። ብዘይካ’ዚ፣ ደምበ ምርጫ ትራምፕ ምስ ሩስያ ተሓጋጊዙ እንተኾይኑ FBI የጻርዮ ኣሎ ኢሎም ጀምስ ካምይ።

‘ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝፈነውዎ መልእኽቲ ትዊተር ዝድግፍ ጭብጢታት ኣይረኸብናን’ ኢሎም ጀምስ ካምይ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምስክርነት።

ናይ’ዛ ሃገር’ዚኣ ዝላዓለ ትካል መርማሪ ገበናት ዝኾነ FBI ዝመርሑ ጀምስ ካምይ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ሎሚ ሶኒ ክዛረቡ ከለው ‘ሩስያ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ኣትያ እንተኾይና ዝካየድ ምርመራ ሚስጢራዊ ስለዝኾነ ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይክእልን’የ’ ኢሎም’ለው።

እንተኾነ ኢሎም ንሶም ‘FBI ዝጀመሮ መስርሕ ምጽራይ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምስ ወፍሪ ትራምፕ ዝሰርሑ ውልቀ-ሰባትን ወይካኣ ኣብ ሞንጎ ወፍሪ ትራምፕን ሩስያን ርክብ እንተነይሩ ነጻርዮ ከምዘለና ንከረጋግጸልኩም’ ብሚኒስቴር ፍትሒ ፈቃድ ረኺበ ኣለኹ’ ኢሎም።

እዚ ቅጽበታዊ ቃለ ምስክርነት ካምይ ይዋሃብ ዝዋዓለ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ሩስያ ዘተኣሳሰር ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ጻዕሪታት ኣብ’ቲ ምርጫ ብዝተሳዕሩ ዴሞክራሲያዊያን ዝተዋደደ ጻዕሪ’ምበር ድሕሪ ምባሎም’ዩ።

ትራምፕ፣ ምስ ሞስኮ ተሻሪኽካ ኢልካ ዘረባ ‘ምህዞ/ፌክ ኒውስ’ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ ይብሉ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ሪፐብሊካዊ ዴቪን ኑንስ ኣብ ምኽፋት’ቲ መድረኽ ቃለ ምስክርነት ‘ምምሕዳር ኦባማ ጠለፋ ቴለፎን ንክፍጸም ኣዚዙ እንተኾይኑ ሓባሪ ጭብጢ ዛጊድ ኣይተረኽበን’ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG