ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ንምሕጋዝ 125 ሽሕ ዶላር ተዋጺኡ


ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ
ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሪዮ ኦልምፒክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ካልኣይ ዝወፀ ወዲ 26 ዓመት ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ንምሕጋዝ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንሓገዝ ኣብ ሪዮ ይርከቡ።

ንሌሊሳ ንምሕጋ ይካየድ ኣብዘሎ ወፍሪ ልዕሊ 125 ሽሕ ዶላር ከምዝተኣኻኸበ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ: ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ካልኣይ ብምውፃእ ብሩር ዝተሸለመ ክኸውን እንከሎ: ኣብ መወዳእታ መስመር ናይቲ ማራቶን ምስ በጽሐ: ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ኣሎ ንዝበሎ መግሃስቲ ንምቅዋም ኢዱ ኣጣሚሩ ምልክት ድሕሪ ምርአዩ ኣምትራፉ ተሓቢሩ።

"ኣብ ሃገረይ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ንምቅዋ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ፤ሰባት ይቕተሉን ይእሰሩን ኣለው፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ኣይምለስን እየ፤እንተድኣ ተመሊሰ ኽኣ ክእሰር እየ" ድማ ኢሉ።

ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ: ነዚ ምልክት ዘርኣየ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖትን መልእኽቲ ምሕላፍ ኣብ ዘይክኣለሉ ናይ ስፖርት መድረኽ ስለዝኾነ ዝረኸቦ መዳሊያ ክምንጠልን ክቕፃዕን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶ ይቐርብ ኣሎ።ፈይሳ ለሊሳ ግን "ነዚ ፈሊጠ እየ ገይረዮ ዘለኹ" ክብል ገሊጹ።

ንሱ: "ካብ ቀደሙ እውን ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብ ስፖርታዊ መድረኽ ከምዘይቐርብ እፈልጥ እየ።ኣብዚ ስዓት እዚ ነዚ ዕድል ተጠቒመ ኣብ ሃገረይ ኣብ ልዕሊ ዝህብና ብመንግስቲ ይፍፀም ዘሎ ንምርኣይ ሓሲበሉ እየ መፂአ" ድማ ኢሉ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ሽልማት ሜዳሊያ ነቲ ምልክት ከርኢ ከምዘይብሉ ከምዝተነገሮን ንሱ እውን ከምዝተቐበሎን ይገልፅ ፈይሳ። "ዝደለኹዎ መልእኽቲ ስለዘመሓላለፍኩ ዋላ እንተተቐፃዕኹን ሜዳሊያይ እንተተመንጠልኩን ዋላ ሓደ ነገር ኣይስምዓንን " ክብል ድማ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ: ካብ ሆቴል ወፂኡ ስሩዕ ናብርኡ ንክመርሕ ሓደ ጉጅለ ኢትዮጵያዊያን ካብዚ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ናብቲ ቦታ ብኣካል ከይዱ ሕጋዊ ሓገዝ ይህቦ ከምዘሎ ኣተሓባበርቲ ይገልፁ።

‘’ጎ ፈንድ ሚ’’ ብዝብል ናይ መርበብ ሓበሬታ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ክሳብ ሎማዕንቲ ልዕሊ 125 ሽሕ ዶላር ከምዝኣከቡውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ ኣሎ።ነዚ ወፍሪ ምትእኽኻብ ገንዘብ ካብዘተሓባብሩ ሓደ ዝኾኑ ዶ/ር ሰለሞን ኡንጋሼ እቲ ገንዘብ ንምንታይ ከምዝውዕል ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

" ምስኡ ንዘራርብ ኣለና።ናብ ኣሜሪካ ወይ ካሊእ ሃገር ክኸይድ ኣለዎ።ክጣየሽ ኣለዎ።ምስድርኡ ክሕገዙ ኣለዎም።እቲ ዝእከብ ገንዘብ ሓንቲ ሳንቲም ከይጎደለት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓዳሽ ሃገር ንዕኡ ንምጥያሽ ዘኽእል እዩ" ኢሎም ዶ/ር ሰለሞን ኡንጋሼ ። እቲ ሓገዝ ኣብ ሕጋዊ መዳይ ደገፍ ከምዝሓወሰ ዶ/ር ሰለሞን ብተወሳኺ ይገልፁ።

ንሶም: " ኣብዚ ስዓት እዚ ካብ ኣተኣኻኻቢ ሓገዝ ሰለስተ ሰባት ዝሓቖፈ ሓደ ጉጅለ ፈይሳ ናብ ርከበሉ ብራዚም ተጓዒዙ’ሎ።ካብ መንጉኦም ሓደ ብዓል ሙያ ሕጊ እዩ።ናብ ካሊእ ሃገር ምናልባሽ እውን ናብ ኣሜሪካ ንምምፃእ ዘድሊ ናይ ሕጊ፣ቪዛን ዝኣመሰሉን ስራሕቲ ንምፍፃም ዝውዕል እዩ" ድማ ኢሎም።



እቶም ክልተ ሰባት ኣባላት እቲ ጉጅለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መአላት እዮም ኢሎም ዶ/ር ሰለሞን። ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ሚዲያን ርክብ ህዝብን ኣቶ መሓመድ ሰይድ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ናብ ሃገሩ እንተድኣ ተመሊሱ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበፅሖ ምግላፆም ይዝከር።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ዝተሳተፈት ጉጅለ ኣትሌት ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሰት ተፈሊጡ።ኣትሌት ለሊሳ ፈይሳ ናብ ሃገሩ ኣይተመለሰን። ሓደ ወርቂ፣ክልተ ብሩርን ሓሙሽተ ነሓስን ብድምር ሸሞንተ መዳሊያታት ብምስዓር ዝዛዘመት ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ኣብ መበል 44 ካብ ኣፍሪካ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ’ላ።

እቲ ውፅኢት ኣዚዩ ዝተሓተ ምዃኑ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ዝተዋፈሩሰባትን ኣትሌታትን ኣብ ምግላፅ ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ማዕኸናት ይገልፃ ኣለዋ።

ንኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ንምሕጋዝ 125 ሽሕ ዶላር ተዋጺኡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00

XS
SM
MD
LG