ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ንመግለጺ መንግስቲ ብምእማን ከይምለስ ስድራቤቱ ኣጠንቂቖም


ሒደት መዓልታት ድሕሪቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ካልኣይ ኮይኑ ኣብ ውድ ድር ማራቶን ኦሎምፒክ ኣብ ዝተዓወተሉ ምልክት ተቓውሞ ብምርኣዩ ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ ዝኾነ ጸገም ኣይገጥሞን እዩ ኢሉ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፤ ስድራቤት ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ንመግለጺ መንግስቲ ብምእማን ፈይሳ ከይምለስ ኣጠንቂቖም።

ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ኢዱ ንላዕሊ ዘርጊሑ ኣመሓላሊፉ ብምጥማር ንምልክት ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ናይ መዛዘሚ መስመር ጉያ ማራቶን ካልኣይ ኮይኑ ብምርጋጽ ናይ ብሩር መዳልያ ተሰሊሙ።

ክልል ኦሮሞ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ ኣተሓሕዛ መሬትን ሰብኣዊ ጉዳያትን ዝቐንዐ ተቓውሞ ዝተራእየላ ክልል እያ።

ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ድሕሪቲ ውድድር በቲ ዘንጸባረቖ ምልክት ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዝኽእል ብምጥቃስ ምምላስ ከምዘስግኦዩ ሓቢሩ። ወላዲቱ ቢሪቱ ፉላሳውን ንውሳነኡ ትድግፎ’ያ።

ንሰን “ መንግስቲ ዝብሎ ብሓቂ ዝእመን ድዩ። ኣነ ኣይኣምኖን እየ። ኣብቲ ዘለዎ ክጸንሕ ኣለዎ። ክምለስ ደስ ምበለኒ ግን እንታይሞ ክገብርየ። ትማሊ ብዙሕየ ነቢዐ። ሕጂ ግን ደሓን ኣለኹ። ኣብኡ ክጸንሕየ ዝደልዮ። ጽቡቕ ውን ይምነየሉ” ድማ ኢለን።

ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ንገለ ክፋል መሬት ክልል ኦሮሞ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንበረ ንድፊ ብውሑዱ ናይ 400 ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብሓይልታት ጸጥታ ምቕታሎም ገሊጹ ነይሩ።

ዋላ'ኳ እቲ መደብ ትግባረቲ ንድፊ ብኡ ንብኡ እንተተቛረጸ እቲ ተቓውሞ ግን ናብ ናይ መሰል ሕቶ ብምዕራግ እሱራት ክፍትሑ ናብ ዝጽውዕዩ ቀጺሉ።

ኢፍቱ ሙሊሳ ዝተባህለት በዓልቲ ቤት ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ብወገና መላእ ቤተሰባ ኣብ ስግኣት ከምዝርከብያ ትገልጽ።

በዓል ቤታ ኣትለት ፈይሳ ለሊሳ ንቓልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ዘንጸባርቕ ምልክት ምርኣዩ ከምዘየገረማ ትሕብር። ንሳ በዓልቤታ ኣትለት ፈይሳ ሰባት ክቕጥቀጡ ክእሰሩን ክቕተሉን ክርኢ እንከሎ መሪር ይሓዝን ምንባሩ ትገልጽ።

“ፈለማ ኣዝየ ፈሪሐምበር ኣይተገረምኩን። ምኽን ያቱ ይፈልጦየ። ብውሽጡ ሕሩርዩ ነይሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እቲ ዝፍጸም መውቃዕቲ ማእሰርትን መቕተልትን ይርኢ ስለዝነበረ። በዚ ድማየ ብውሳነኡ ፍጹም ዘይተረገርምኩ ምኽንያቱ ብውሽጡ ሕሩር ብምንባሩ” ትብል ኢፍቱ ሙሊሳ።

መንግስቲ ንዝወሃብ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልክዕ ዘይምዃኑ’ዩ ዝሕብር። እቲ ተቓውሞታት ብዘይሕጋዊ ኣገባባታ ዝተኻየደን ብተወቓወምቲ ጉጅለታትን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን ዝተቐናበረ’ዩ ድማ ይብል።

ሶኮ ፈይሳ ዝተባህለት ጓሉ ንኣትለት ፈይሳ ኣቡኣ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ንዝተሰለሞ ወርቂ መዳልያ ኣብ ክሳዳ ኣንጠልጢላ ትርአ። ንሳ ንወላዲኣ ከምዝናፈቐቶን ኣበይ ከምዘሎ ክትፈልጥ ከምእትደሊ ድማ ትሕብር።

ጉጅለ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሉስ ነሓስ ምዃኑዩ ሓደ ወርቂ ክልተ ብሩር ሓሙሽተ ነሓስ መዳልያ ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG