ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኣሲራ እትርከብ ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ሃለዋታ ንምፍላጥ ዝተግብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን ኢሎም ሰበስልጣን ኣሜሪካ


ኤርትራዊት-ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ካብ እትእሰር ጀሚራ ሃለዋታ ንምፍላጥ ዝተገብረ ፃዕሪ ከምዘይሰመረ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ይገልፁ።ኣብ ወከልቲ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ብዛዕባ ሳሂምን ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስን ሓበሬታ ሓቲቶም ኣለው።

ሳሂም ዓሊ ዓብዱ ናብ ሱዳን ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ክትእሰር ከላ ጓል 15 ዓመት ነይራ።ኣብ ከተማ ሎሳንጀለ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝተውልደት ሲሃም ኣብ ኤርትራ ተኣሲራ እትርከብ ብሕታዊት ኣሜሪካዊት እያ።

ስድርኣ፣ኣዕርኽታን ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ወኪላት ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስን ኣበይ ከምዘላ ወይ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕንኣ ብዝምልከት ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ሓበሬታ ኣይረኸቡን።

ሲሃም ጓሉ ንምንስቴር ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ኣቶ ዓሊ ዓብዱ እያ።ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሮም።ዓሊ ዓብዱ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ካብታ ሃገር ሃዲሞም ወፂኦም።

ሽዑ ንሽዑ ወላዲ ኣብኡ ንዓሊ ዓብዱ 87 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ዓብዱ ኣሕመድ ዮኑስ፣ሓዎም ሓሰን ዓብዱ ኣሕመድን ሲሃምን ተኣሲሮም።ኣቶ ዓሊ ብምሃዶም ከም መቕፃዕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ስድራ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ኢሎም ብዙሓት ይኣምኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉድያት ወፃኢ ‘’ኤርትራ፡ሸለል ዝተብሃለት ዞባዊት ስግኣት’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ መዘራረቢት ኣጀንዳ ኮይና ምስ ቐረበት ጉዳይ ሲሃም ዓሊ ተላዒሉ ነይሩ።

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትት ተሓባባሪት ጉዳያት ኣፍሪካ ሊንዳ ቶምሳ ግሪንፊልድ ኣብ ዝሃብኦ ቃለ ምስክርነት ‘’ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ተኣሲራ እትርከብ ኣሜሪካዊት ሲሃም ጥራይ እያ’’ ምስ በላ ሰራሕተኛታት እቲ እሜባሲ ንዓመታት ምፍርራሕ በፂሑዎም፣ገሊኦም ተኣሲሮም ገሊኦም ድማ ክሳብ ሎሚ እውን ተኣሲሮም ይርከቡ ኣለው ኢለን።’’እዚ ጉዳይ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ምልዓል ቦኺርና ኣይንፈልጥን፤ነታ ኣሜሪካዊት ዜጋ ጥራሕ ከይኮነስ ተኣሲሮም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታትና ንክፈትሑዎምን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትና ዝበፅሕ ዘሎ ምፍርራሕ እውን ጠጠው ከብሉዎን ኩል ግዜ ነተባብዖም ኢና’’ኢለን።

ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ሓላፊ ጉዳያት ቆንሱል ዝነበሩ ኤሪክ ዋይቴከር ብወገኖም ቆንሱላ ክረኽባ ብቃልን ብፅሑንፍ ንጉዳያት ምንስቴር ወፃኢ ኤርትራ ዝቐረበ ሕቶ ተቐባልነት ኣይረኸበን ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:13 0:00

XS
SM
MD
LG