ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ዝተደርበየ ነታጉ ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ምብጽሑ ተፈሊጡ


ከተማ ጎንደር(ጸጋም) ከተማ ባህርዳር(የማን)
ከተማ ጎንደር(ጸጋም) ከተማ ባህርዳር(የማን)

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ኢድ ቦምብ ተደርቢዮም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከምዝበሕፀ ተፈሊጡ።

ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ቴሌቪዥን ኣብ ናይ ትማሊ ምሸት ዜና 2 ጥሪ 2009 ዓ.ም ከባቢ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ኣብ ከተማ ጎንደር ጣቢያ ዜሮ ሸሞንተ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሽሙ ዘይተገልፀ ሆቴል ናይ ኢድ ቦምብ ተደርቢዩ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ካብ ዝነበሩ ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት 18 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ከምዝወረዶም ንኮማንድ ፖስት ብምጥቓስ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ከተማ ጎንደር ጃንተከል ወርካ ኣብዝተባህለ ቦታ ምሸት ሰዓት ሓደን ፈረቓን መንንቶም ብዘይተፈልጠ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ መዘናግዒ ቦታ ዝተደርበየ ቦምብ ከይተተኮሰ ከምዝተረፈ ይገልፅ።

እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ባህርዳር ሽሙ ኣብዘይተገልፀ ሆቴል ዝተደርበየ ናይ ኢድ ቦምብ ተተኹሱ ኣብ ልዕሊ ሰብ ይኹን ንብረት ጉድኣት ኣይበፅሐን ይብል ።

እቲ ኮማንድ ፖስት እዞም ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ዝበሎም ንምሓዝ ኣብ ዘካይዶ ፃዕሪ ህዝቢ ክልቲአን ከተማታት ንፀጥታ ሓይልታት ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክተሓባበር ፀዊዑ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG