ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳዳብ ኬንያ ዝርከቡ 12 ሺሕ ኢትዮጵያውያን፡ ብስምዕታ ምዕጻው`ቲ መዓስከር ሻቕሎት ይሓድሮም


 ስደተኛታት መዓስከር ዳዳብ
ስደተኛታት መዓስከር ዳዳብ

ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ን300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕ/ሃ ኮሚሽን ስደተኛታት ሓቢሩ። መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝዓጽዎ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።ኣብቲ መዓስከር ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መንግስቲ ነቲ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ከምዝገለጸሎም ይሕብሩ። እዚ ድማ ኣብ መነባብርኦም ዓብይ ጽልዋ ከምዘሕደረ ይሕብሩ።

ኣብቲ መዓስከር ካብ ዝተዓቑቡ ኣስታት 300 ሺሕ ስደተኛታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ከምዝርኸብዎም ተፈሊጡ’ሎ። መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ መዓስከር ንዘለው ሶማልያዊያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ውሳኔ እንተሕለፈ’ኳ ትግባረኡ ግን ንሽዱሽተ ወርሒ ምንውሑ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዝኾነ ዳዳብ መዓስከር ስደተኛታት ንኣስታት 300 ሺሕ ስደተኛታት ምዕቓቡ ካብዚኣቶም ድማ እቶም 12 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ምኻኖም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ስደተኛታት ምሕባሩ ይፍለጥ።

ኣብቲ መዓስከር ዝተዓቕቡ ስደተኛታት ካብ ፕላስቲክን ቴንዳን ሓሊፎም ናይ ንግዲ ትካላት’ውን መስሪቶም ይነብሩ ኣብ ደጋሃሌ ዝርኸብ ማእከል ሓደ ናይ ኢትዮጵያዊያን ቤት መግቢ ይርኸብ።

ኣብ 1990ታት ኣብ ሶማል ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብቲ መዓስከር ዝተዓቑቡ ሶማልያዊያን ሎሚ ወነንቲ ኣውቶቡሳት፡ ቤት ንግድን ሆቴላትን ኽኾኑ በቒዖም እዮም።

ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ኣብዚ መዓስከር ንዝነብሩ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ኔሩ። መብዛሕትኦም ናብ ካኩማ ዝርኸብ መዓስከር ስደተኛታት ክግዕዙ ከምዝተነግሮም እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ንመነባብሮ ዘድልይ ነገራት ከምዘይተማልአ ይገልጹ።

ስደተኛታት መዓስከር ዳዳብ ውሳኔ መንግስቲ ኬንያ ከምዘሻቅሎም ይሕብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:04 0:00

ኣብ ኢፎ ማእከል ስደተኛታት ጎደና ኦሮሞ ዝበሃል ኣብቲ መዓስከር ብዝነብሩ ስደተኛታት ዝተሰየመ ቦታ ኣሎ። እዚ ቦታ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሑ ድንኳናት ዝሓዘ ኮይኑ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝተሰደዱ ብሓባር ዝነብሩ አከባቢ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኬንያ ነቲ መዓስከር ንምዕጻው ዘመሓላለፎ ውሳኔ ካብ ምትግባር ጊዜ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መዓስከር ዝበዝሑ ሶማላዊያን ይነብሩ መንግስቲ ኬንያ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛ ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ መስርሕ ከምዝቕጽሎ’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ስደተኛታት መዓስከር ዳዳብ ውሳኔ መንግስቲ ኬንያ ከምዘሻቅሎም ይሕብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:02 0:00

XS
SM
MD
LG