ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ መድረኽ ልዕሊ 600 ኣባላተይ ተኣሲሮምኒ ኢሉ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ካብ 600 ንላዕሊ ኣባላተይ ተኣሲሮምኒ፣ኣበይ ከምዝኣተው ዘይፍለጡን ዝተቐትሉን ኣለው፣ጥርዓነይ እውን ንቦርድ መረፃ ኣቕሪበ ኣለኩ ኢሉ።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ዘስምዕዎ መደረ እውን ኣይቕበሎን ኢሉሎ።

ሓምሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ንኻልኣይ ግዜ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃበ መድረክ ድሕሪ እቲ ምርጫ ብዝብኣሰ ቀፂሉ ዝበሎ ናይ ኣባላቱ ምእሳርን ምንክልባትን ይዝርዝር።

‘’ክሳብ ትማሊ ልዕሊ 600 ዝርዝር ስም ሒዝና ኣለና’’ ዝበሉ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፌደራላዊ ሓድነት መድረኽ ምኽትል ኣቦ መንበር ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣስዒቦም ‘’ኣበይ ከምዝኣተው ዘይፈለጡ፤ዝተውቕዑ፤ዝነትዑ፤ብጥይት ዝተውቕዑ፣ክልተ እውን ተቐቲሎም ኣለው፤ኩሉ ብዝርዝር ሒዝናዮ ኣለና’’ኢሎም።

ተፈፂሙ ዝበልዎ ንቦርድ ምርጫ ብደብዳቤ ከምዘፍልጡ እውን ወሲኾም ገሊፆም።ወኪልና ካብ ቦርድ ምርጫ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሰላኝ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ዝሃብዎ ናይ ዓወት መደረ መድረኽ ከምዘይቕበሎ ብምግላፅ የግዳስ ድምፂ ህዝቢ ብሓይሊ ዝተመንዝዐሉ እዩ ኢሎም።

መድረክ ናይ ህዝቢ ድምፂ ተሰሪቑ እናሃለወ ኣይድቅስን እይ፤ሕጋውን ሰላማዊን ቓልስና ኣፅኒዕና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም ዶ/ር መረራ ጉዲና።

XS
SM
MD
LG