ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ናይ ተቓውሞ ምልክት ዘርኣየ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ምስ ስድራ ቤቱ ተራኺቡ


ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ - ብራዚል ክልተ ኣእዳዉ ብምጥማር ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዓለም ዘርኣየ ኢትዮጵያዊያ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ስድራ ቤቱ ተፀምቢሩ። ተሸላሚ ብሩር መዳሊያ ኦሎምፒክስ ዝኾነ ኣትሌት ፈይሳ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ትማሊ ናብ ኣሜሪካ መፂኦም ኣለው።

ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ ወዲ 27 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ ንበዓልቲ ቤቱ ኢፍቱ ሙሊሳን፣ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓሉ ሶኮን ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዱ ሶራ ፈይሳን ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ማያሚ ተቐቢሉዎም ኣሎ።ንሱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘በይንኻ ምንባር ከቢድ ነይሩ’ ኢሉ።

ፈይሳ ለሊሳ ብፍሉይ ናይ ኣሜሪካ ቪዛ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ዝነብር ዘሎ ኾይኑ ስድራ ቤቱ እውን ብናይ ስደተኛ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ምምፅኦም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ብራዚል ኦሎምፒክ ሪዮ ናይ ተቓውሞ ምልክት ምስ ኣርአየ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይምለስ ምግላጹ ይዝኸር።ኣብቲ እዋን በዓልቲ ቤቱ ንስድርኣ ከም እትሰግእ ብምግላፅ ንሱ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ግን ብዙሕ ከምዘይተገረመት ገሊፃ ነይራ።

ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ናይ ተቓውሞ ምልክት ዘርኣየ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ምስ ስድራ ቤቱ ተራኺቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:30 0:00

ፈይሳ ለሊሳ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘይጣዓስ ይገልፅ።

ፈይሳ ለሊሳ ኣብ ኦሎምፒክ ተቓውሞ ኣብዘስምዐሉ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣትሌት ፈይሳ ምዕዋቱ እንኳዕ ደስ በለካ ብምባል ናብ ሃገሩ ክምለስ ንደሕንነቱ ዘስግእ የብሉን ኢሎም መረጋግፂ እንተሃቡ ንሱ ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ናይ ተቓውሞ ምልክት ዘርኣየ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ምስ ስድራ ቤቱ ተራኺቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:47 0:00

XS
SM
MD
LG