ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዘቦ ን6 ኣዋርሕ መሃያ ኣይተኸፈሎምን


ጋንታ ራያ ዓዘቦ
ጋንታ ራያ ዓዘቦ

እታ ጋንታ ንትግራይ ወኪላ ናብ ብሄራዊ ሊግ ኢትዮጵያ ዝሓለፈት ብሕታዊት ጋንታ እያ፡፡ ኰይኑ ግና ንተፃወቲ፣ንኣሰልጠንትን ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታን ሓዊሱ 30 ሰባት ዛጊድ መሃያ ኣይረኸቡን፡፡

ፀሓፊ ቦርድ እታ ጋንታ ኣይተ ዘርኣይ ተስፋይ ምምሕዳር ራያ ዓዘቦ ዛጊድ 1.2 ሚልየን ቅርሺ ወፃኢ ከምዝገበረሎም ንኢዶም መሃያ ንምኽፋል ግና ልዕሊ ዓቕሙ ኰይኑ'ሎ ኢሎም፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ክፍሎም ሃይለ ብወገኖም እቲ ወረዳ ንምግቢ፣ንመደቀሲ፣ንመጓዓዝን ንመዓልታዊ ዓስቢን ይኸፍል'ሎ ኢሎም፡፡ ሓደ ኣጀንዳ ልምዓት ገይሩ ብምውሳድ ድማ ብዛዕባ እቲ ፀገም ምስ ህዝቢ ይዝትየሉን ገንዘብ የዋህልልን ምህላዉ እውን ተዛሪቦም፡፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00

ካብዚ ብተወሳኺ ክልላዊ ምምሕዳር ነቲ ፀገም ክፈልጦ ከምዝተገብረን ሓገዝቲ ኣካላት ዘዝኻኣልዎ ንኸበርክቱ ፃውዒት ከምዝቐረበን ኣይተ ክፍሎም ገሊፆም፡፡ ኣባላት እታ ጋንታ በቲ ኣጓኒፉዎም ዘሎ ፀገም ከይተምበርከኹ ጉዕዞኦም ክቕፅሉ ድማ ተላብዮም፡፡

ፕሬዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣይተ ሐሸ ለማ እቲ ፀገም ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ወረዳ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ናትና ግደ ድማ ኣብ ወረዳታት ጋንታታት ንኽጣየሻ ምምራሕን ሞያዊ ዓቕሚ ንኸጥርያ ምስልጣንን እምበር ገንዘባዊ ዓቕሚ እቲ ወረዳ እዩ ከተኣኻኽብ ዝግበኦ ኢሎም፡፡

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ራያ ዓዘቦ ዓሚ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣርባምንጭ ኣብ መንጎ 38 ጋንታታት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ካብተን ናብ ብሄራዊ ሊግ ዝሓለፋ 8 ጋንታታት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ዝሓለፈት ብሕታዊት ጋንታ ትግራይ ምዃና ይፍለጥ፡፡

XS
SM
MD
LG