ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ከባቢያዊ ምርጫ ኣብ ትግራይ 2005/2013


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION
ናይ ሎም-ዘበን ከባቢያዊን ከተማዊን ምርጫ ኢትዮዽያ፣6 ሚያዝያ 2005 ከምዝሳለጥን ዛጊድ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ‘ታ ሃገር ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ ምቅርራባት ይዛዘም‘ሎ።እንተኾነ ገለ ተቃወምቲ ፓርቲታት፣ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ምባሎም‘ውን ተፈሊጡ‘ሎ።

ኣብ ትግራይ ዛጊድ ኣስታት ክልተ ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ማለት ካብ ሓፈሻዊ ክመርፅ ዝኽእል ህዝቢ‘ቲ ክልል 99% ከምዝተመዝገበ፣ሓደ ተቃዋማይ ፓርቲ እውን ከምዝሳተፍ ቦርድ ምርጫ እቲ ክልል ኣፍሊጡ‘ሎ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ትግራይ ክወዳደር ንዝወሰነ ፓርቲ ምቹእ ኩነታት ኣሎ‘ውን ይብሉ ሓላፊ‘ቲ ቦርድ ኣቶ ወለየርግስ በላይ።

ሓደ ካብ‘ቶም ኣይንሳተፍን ባሃልቲ ፓርቲታት፣መድረክ ዝባሃል ጥምረት ዝተፈላለዩ ውድባት‘ዩ።ኣብ ትግራይ ዝማእከሉ ኣባል መድረክ፣ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ሉኣላዊነትን‘ውን ኣብ‘ቲ ምርጫ ኣይሳተፍን።

ካብ ዓረና ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ዓንዶም ገ/ስላሴ፣ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮዽያ ሜዳ መወዳደሪ ማዕረ ንክኸውን፣ኣጠቃቅማ ሚድያ፣ኣቃውማ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ናፃ ንክኸውንን ካልኦትን ጠለባት ንክማልኡ ምስ ካልኦት ውድባት ሓቲቱ መልሲ ኣይረኸበን ኢሎም።ንሶም ኣተሓሒዞም እዞም ጠለባት‘ዚኣቶም ኣብ ዘይተማልእሉ ናብ ምርጫ ምቅራብ ንኢህወዴግ ካብ ምዕጃብ ተፈልዩ ኣይራኣይን ይብሉ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:44 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG