ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ካብ ኤርትራ ንዝተበገሱ ዕጡቃት ደምሲሰ' ትብል ኢትዮጵያ


ሽፋን ኣባይ/ናይል
ሽፋን ኣባይ/ናይል

'ካብ ኤርትራ ተበጊሳ ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝተበገሰት 20 ዝኣባላታ ኣሃዱ ዕጡቃት ከምዝደምሰሰት' ኢትዮጵያ ገሊጻ።

ንሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ ዝጠቀሰ መንግስታዊ ሚድያ ትማሊ ብመሰረት ዝፈነዎ ዜና ‘ካብ ሞንጎ’ቶም ደባይ ተዋጋእቲ እቶም 13 ተቐቲሎም፣ እቶም ሸውዓተ ግና ናብ ሱዳን ድሕሪ ምህዳሞም ብሓይልታት ሱዳን ተታሒዞም ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ከምዝተዋሃቡ’ ሓቢሩ።

ኣብ ኣስመራ ወካሊ ዕጡቃት ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ ዓብዱል ዋሃድ ረኺብና ሪኢቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ምንጭታትና ግና 'ምናልባሽ ንበረኻ ወሪዶም ይኾኑ’ዮም' ይብሉ። ጻዕሪና ግና ቀጻላይ’ዩ።

XS
SM
MD
LG