ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ብዛዕባ ዝወረደ ባርዕ ምርመርኡ ወዲኡ


ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ክባራዕ ከሎ
ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ክባራዕ ከሎ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦ ን23 ተሃነፅቲ ዝቐተለ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብዝምልከት ምርመርኡ ወዲኡ ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሕን ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምቕራቡ ኣፍሊጡ።

ባርዕ ምስተልዓለ ተሃንፅቲ ካብቲ ባርዕ ንምምላጥ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሓለውቲ ኣብ ልዕሊኦም ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተኮሱ ተገሊፁ’ሎ።

ሓላፊ ምርመራ እቲ ኮሚሽን ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ምስ ወረደ እቲ ኮሚሽን ነዚ ዘፃሪ ጉጅለ ከምዝጣየሸን እቲ ጉጅለ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምምሕዳር ቤት ህንፀት፣ምስ ሓላፍቲ ቤት ህንፀት ቅሊንጦ፣ሰራሕተኛታት ሓለዋ እቲ ቤት ህንፀት፣ምስ ተሃነፅቲ፣ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፣ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ናይ ሆስፒታል ሰብ ሙያን ተዘራሪቡ ነቲ ሪፖርት ከምዘዳለዎ ይገልፁ።

‘’ብከቢድ ገበን ዝተኣሰሩ ሰባት ሰሊኹ ብዝኣተወ መቀፃፀሊ ክብሪትን ላይተርን ንናይ ተኣረምቲ ክዳን፣ኮቦርታን ፍራሽን ምብርዖም ብምርመራ ተረጋጊፁ’ሎ’’ ዝበሉ ንሶም ኣብቲ ቤት ህንፀት ብሰንኪ ዝተልዓለ ውፅኣትን ተምላስን ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምግቢ ከይኣቲ ስለዝኸልከሉ ቅሬታ ዝሓደሮም ኣድማን ህውከትን ኣልዒሎም ኢሎም።እቲ ሓዊ እናተጋፍሐ ከይዱ ሰለስቲኦም ዞባታት እቲ ቤት ህንፀት ብሓዊ ተባሪዖም 21 እሱራት ህይወቶም ስኢኖም ኢሎም።

ባርዕ ንምክልኻል ብዝተወስደ ስጉምቲ ንዝወረደ ጉድኣት ሓለፍቲ እቲ ቤት ህንፀት ብሕጊ ንክሕተቱ ኣብ መደምደምታ ከምዝተበፅሐ እውን ገሊፆም።

እቲ ሪፓርት ፅባሕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብወግዒ ከምዝቐርብ ተፈሊጡ’ሎ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:58 0:00

XS
SM
MD
LG