ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ኮይኑ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ፣ ኣብ’ታ ሃገር ጽኑዕ ስርዓት ከምዘሎ ዝሓበረ ኣጋጣሚ ኮይኑ’ዩ ሓሊፉ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ።

'ሓይልታት ጸረ ሰላምን ገለ ጸላእቲ ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ሻዕቢያን ሓሻኽሩን፣ እዛ ሃገር’ዚኣ ካብ’ዚ ሃዋሁ’ዚ እንተምሊጣ፣ ካልኣይ ኣይነርክበላን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ዘሎን ዘየሎን ሓይሎም ተጠቂሞም’ዮም’ ኢሎም።

እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከት ሻቅሎት ፈጢሩ ነይሩ እንተኾነ ኣብ’ታ ሃገር ጽኑዕ ስርዓት ተሃኒጹ ከምዘሎ ኣርእዩ’ዩ ሓሊፉ’ውን ኢሎም ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣

‘ይትረፍ’ዶ ናብ ዓድና ዝገየሹ፣ ንሕና ባዕልና’ውን ሰጊእና ነይርና ኢና። እንተኾነ እቲ ጸገም ዘረጋገጾ ሓደ ነገር፣ ጽኑዕ መንግስቲን ህዝቢን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘሎን ማሕበረ ሰብ ዓለም ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ስርዓት ምህላው ንካልኣይ ጊዜ ዝራኣይሉ እዋን’ዩ ኢሎም’

ን6 ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ህጹጽ ጊዜ ኢትዮጵያ ካብ ትግበር ኣስታት 3 ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ክናዋሕ ወይ ይኣኽሎ ክባሃል ይኽእል’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00

XS
SM
MD
LG