ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንፓርላማ'ታ ሃገር ብዛዕባ ውሽጣዊ ምዕባለን ኩነታት ምስ ኤርትራን ርፖርት ኣቕሪቦም


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ካብ ዝትግበር ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘቁጸረ ‘ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ’ ሓደ ጊዜ ክናዋሕ ከምዝኽእል ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ ኣፍሊጦም።

ተቓወምቲ ፓርቲታት’ውን ሪኢቶ ሂቦም ኣለው። ኣቦ መንበር መድረክ ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ ‘ቀደሙ’ውን ዘይደገፍናዮ ኣዋጅ’ዩ፣ ብቕልጡፍ ክላዓል ኢና ንጽውዕ ዘለና’ ኢሎም

እቶም ቀ/ሚ ‘በዝሒ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዕለታዊ እናሰገሩ ዝመጹ፣ ካብ 150 ክሳብ 200 በጺሑ’ሎ። ካብ ሞንጎኦም እቶም ሕምሺት ወትሃደራት ምኻኖም ድማ ኩነታት ኤርትራ እናገደደ ይመጽእ ምህላው ሓባሪ’ዩ፣ ዓቅምና ብዘፍቀዶ ንስደተኛታት ኤርትራዊያን ዕድል ትምህርቲ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሞያዊ ክእለትን ንክጥርዩ መታን ኣጠናኺርና ክንቅጽለሉ ኢና’ ኢሎም። ብዘይካ'ዚ 'ሃገሮም ንኤርትራ ኣመልኪታ ትኽተሎ ፖሊሲ ንረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝውዕል ቅኒት ከምትቕጽለሉ’ ጠቂሶም።

ኣብ’ዚ ቀረባ ሪኢቶ ዝሃቡ ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገ/መስቀል "ካብ ኤርትራ ሰባት ዝወጽሉ ምኽንያት ፖለቲካዊ ጸገም ስለዘሎ ኣይኮነን። ቀሊል። ካብ ዝኸዱ ሰባት ድሕሪ 3 – 4 ዓመታት ከምቱሪስት ተመሊሶምዮም ዝመጹ። እቲ ቀንዲ መንቀሊ ጸገም፣ ረጋጺ መንግስቲ ስለዘሎ ኣይኮነን። ሕማቅ ቁጠባዊ ፓሊሲ ወይ ሕማቕ ውሽጣዊ ኩነታት ስለዘሎ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ኹናትን ስግኣት ኹናትን ኢትዮጵያዩ። ቅድሚ ኩሉ እዚ ደው ክብል ኣለዎ። ኢትዮጵያ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊታት ግዴታ ኣለዋ። ሃገራት ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ገዚፍ ደገፍ እየን ዝገብራላ። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለወን። ሰላም ንኽህልወና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ክገብራ ኣለወን። ከም ህዝብን ሃገርን ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ኣለና። ንሱ እንተተፈቲሑ እዞም ኩሎም ጸገማት ከምዝፍትሑ ኣረጋግጸልኩም። ስለዚ ቀሊል`ዩ- ኣብ ቀንዲ ጉዳይ ነተኩር" ኢሎም

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:33 0:00

XS
SM
MD
LG