ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮ-ኣሜሪካዊያን ኣብ ሃገሮም ዘበናዊ ማእክል ሕክምና ክሃንጹ'ዮም


ምንባር እምነ-መሰረት ማእከል ሕክምና
ምንባር እምነ-መሰረት ማእከል ሕክምና

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነቲ ‘ኢትዮ-ኣሜሪካ ዶክተርስ ሜዲካል ሲቲ’ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር ብ2.4 ቢሊዮን ቅርሺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃብጾ ሆስፒታል እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም።

ኣያት ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣዲሰባባ ኣብ ውሽጢ 150 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝህነፅ ማእከል ሕክምና ብኣባሃህላ’ቶም መስረቱ ‘ከተማ ሕክምና’ ንፈለማ ህንጸቱ 110 ሚሊዮን ዶላር ወይ 2.4 ቢሊዮን ቅርሺ ክወጾ እዩ።

ሎሚ ንእምነ ኩርናዕ ህንጸት’ቲ ማእከል ሕክምና ዘንበሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዘስምዕዎ መደረእቲ ሆስፒታ እናዓበየት መፂኣ ንዝበሉዋ ኣዲስ ኣበባን ንኢትዮጵያን ዝለዓለ ረብሓ ክህልዎ’ዩ’ ኢሎም።

ልዕሊ ኩሉ ብሉጽ ረብሓ ኢሎም ዝሓሰብዎ ድማ ‘ኣብ ላዕለዎት ሕክምና’ታ ሃገር ትምህርቶም ይከታተሉ ንዝርከቡ መንእሰያት ዝህቦም ረብሓ’ዩ’ ኢሎም።

12 ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ከምዝተወጠነ ዝገለፁ ናይ ኢትዮ-ኣሜሪካ ዶክተር ሜዲካል ሲቲ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቂ ማሕበር ቦርድ ኣቦ መንበር / ግርማ ተፈራ፣ እቲ ማሕበር ሎሚ ልዕሊ 250 ኣባላት ከምዝሓቆፈ ገሊጾም።

እቲ ማእከል ሕክምና፣ ኩሉ ዓይነት ሕክምናዊ ምርመራ ዝካየደሉ፣ 300 መደቀሲ ዓራት፣ ሸሞንተ ናይ መጥባሕቲ ክፍልታት፣80 ምኽሪ ዝልገሰሉ ክፍልታት፣ ናይ ካንሰር መምርመሪ ማእኸል ዝሓቖፈን ዘመናዊ ሆስፒታል እዩ።

XS
SM
MD
LG