ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፈረሱ ኣሽሓት ኣባይቲ ሕጋዊ ኣገባብ ብዘይተኸተለ ኣገባብ እዩ ክብል ሰመጉ ኮኒኑ


ዘይሕጋዊያን እዮም ብዝብል ስም ኣብ ዝተፈላልዩ ከባቢትታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መንበሪ ገዛውቲ ዝፈረስሉ ኣገባብ ቅደም ስዓብ ሕጊ ከሓለወ ብወፍሪ ዝተፈፀመን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዓብዩ በደል ዘብፅሐን እዩ ክብል ጉባኤ ሰብእዊ መሰላት /ሰመጉ/ ዝተብሃለ ትካል ኮኒኑ።ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ቕልጡፍ ሓገዝ ንኽግበር’ውን ሓቲቱ’ሎ።ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቶም ዝፈረሱ ገዛውቲ ዘይሕጋዊያን እዮም፤ይፍፀመ ዝነበረ ህንፀት ፈሊጦም ዝፈቐዱ ሰብስልጣን እንተሃሊዮም ግን ክቕፅዑ እዮም ክብሉ ኣፍሊጦም ኣለው።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጣቢያ ቀርሳን ኮንቶማን ዘካየዶ መፅናዕቲ መልዐሊ ዝገበረ እዩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ 1976 ዓ/ም ጀሚሮም ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብምምፃእ ካብ ሓረስቶት ገዛውቲ ብምዕዳግ ዝተጣየሹ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ እቲ መገልፂ።በዝሖም ድማ ካብ ሽዱሽተ ሽሕ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ ከምዝነበረን ሕጋዊ ንክኾኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምምሕዳር ቃል ክኣትውሎም ከምዝፀንሑን ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብዝተኻየደ ስርግሐ መሰረተ ልምዓት’ውን ምስ መንግስቲ ብሓባር ክንቀሳቐሱ ፀኒሖም እዮም ይብል እቲ መግለፂ።ንመዘርግሒ ሓይሊ መብራህቲ እቶም ነበርቲ ሓደ ሚሊዮንን 500 ሽሕን ቕርሺ ከምዘዋፅኡን መንግስቲ ብወገኑ 144 ሽሕ ቕርሺ ሂቡዎም ከምዝነበረን እቲ መገልፂ ብኣብነት ሓቢሩ።

እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ናይዞም ነበርቲ ገዛውቲ ዘይሕጋዊ ብዝብል እኹል ናይ ምድላው ግዜ ከይተውሃቦምን ንብረቶም’ዃ ምንዳይ ኣብዘይኽእልሉን ኩነታት ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።
ክንዲዚ ዝኣክል ገዛ ኣብ ሓፂር ግዜ ብኣካልት መንግስቲ ብሓይልን ብወፍርን ምፍራሱ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ኢሎም ኣቶ እንዳልካቸው።

ነፍሰ ፁራት ሓዊሱ ህፃውንትን ኣረጋዊያንን ብዘይካ እኹል ስነ ልቦናውን ኣካላውን ምድላው ኣብ ማይዳ ወዲቖም ኣለው ዝበሉ እቶም ዳይረክተር ‘’ነዞም ሰባት እዚኦም ግዚያዊ ረድኤት ንምቕራብ ዝደለዩ ትካላት ረድኤት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኽየሕግዙዎም ተኸልኪሎም እዮም።’’

ገዛውቶም ዝፈረሱዎም በምልክዕ ተቓውሞ ብሰላማዊ ሰልፊ ንምግላፅ ዝገበርዎ ፈተነ’ውን ብሓይሊ ተዓፊኑ እዩ ዝበሉ እቶም ዳይረክተር ጥርዓኖም ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ንምቕራብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ብሓይሊ ፖሊስ ከምዝተበተነ ሓቢሮም።

ዘይሕጋዊ ህንፀት ክፍፀም ከሎ ብግዕዝይና ስቕ ኢሎም ዝረኣዩ ስበስልጣን መንግስቲ ምንባሮም ኣባል ፓርላማን መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽን ኣቶ ግርማ ሰይፉ ንቐዳማይ ምንስቴር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ፓርላማ ሓቲቶምዎም ነይሮም።

ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቶም ኣባይቲ ዝፈረሱ ዘይሕጋዊያን ብምዃኖም እዩ ክብሉ መልሲ ሂቦም እዮም።ብግዕዝንይና ዘይሕጋዊ ህንፀት ንኽፍፀም ዝፈቐዱ ሰበስልጣን መንግስቲ ምህላዎም መርትዖ እንድሕሪ ቀሪቡ ነቲ ጉዳይ ብውልቆም እውን ከምዝከታተልዎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣረጋጊፆም ኣለው።

ሰመጉ ናይዚ መግለፂ እዚ ቅዳሕ ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር፣ንቤት ፅሕፈት ኣፈ ጉባኤን ንኻልኦት ኣካላትን ምልኣኹ ገሊፁ’ሎ።
XS
SM
MD
LG