እምነ ኩርናዕ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተነበረሉ መበል ሻድሻይ ዓመት ይኽበር ከምዘሎን ብመሰረት ዝተታሓዘሉ ጊዜ ኣብ እዋኑ ከምዛዘምን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ’ሎ።
ንኣቐባሊና ዘዘራቡ ሚኒስትር ማይን ኤለክትሪክን ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ከምዝገለጽዎ ’ካብ ሓፈሻዊ ህንጸት’ቲ ግድብ 56 ሚእታዊ ተዛዚሙ’ሎ፣ ክልተ ተርባይናት ኣብ ውሽጢ ዓመት ተተኺሎም 750 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምንጭው’ዮም’ ኢሎም።
እቲ ግድብ 6,450 ሜጋዋት ከምዘምንጩ ሚኒስትር ኢንፎርመሽንን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ኣብ’ዚ ቀረባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።