ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻድሻይ ዓመት ምጅማር ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ


ግድብ ህዳሴ
ግድብ ህዳሴ

እምነ ኩርናዕ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተነበረሉ መበል ሻድሻይ ዓመት ይኽበር ከምዘሎን ብመሰረት ዝተታሓዘሉ ጊዜ ኣብ እዋኑ ከምዛዘምን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ’ሎ።

ንኣቐባሊና ዘዘራቡ ሚኒስትር ማይን ኤለክትሪክን ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ከምዝገለጽዎ ’ካብ ሓፈሻዊ ህንጸት’ቲ ግድብ 56 ሚእታዊ ተዛዚሙ’ሎ፣ ክልተ ተርባይናት ኣብ ውሽጢ ዓመት ተተኺሎም 750 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምንጭው’ዮም’ ኢሎም።

እቲ ግድብ 6,450 ሜጋዋት ከምዘምንጩ ሚኒስትር ኢንፎርመሽንን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ኣብ’ዚ ቀረባ ንፋና ብሮድካስቲንግ ምግላጾም ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

XS
SM
MD
LG