ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያን ተቃወምቱን ዝተፈላለየ ገምጋም ውፅኢት 20 ግንቦት ይሕዙ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዝተፈላለዩ ዓወታት ኣመዝጊባ ክብሉ ከለው፣ ተቃወምቲ ግና ብሕልፊ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝባኸና ዓመታት ኢሎም ይገልፁወን።

ብምኽንያት’ቲ በዓል ምስ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ 20 ግንቦት ምዕራፍ ሰለስተ ፍፃመታት’ያ ኢሎም።

‘20 ግንቦት ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ስርዓታዊ ለውጢ ዘምፀአት ዕለት’ያ። ናፃ ዕዳጋን ካፒታሊስታዊ ቁጠባን ዝተኣታተወሉ፣ ንድልየታትን ትምኒታትን ብዙሓት ህዝቢታትን እምነታትን ዘተኣናግድ ስርዓተ ዴሞክራሲ ዝተተኸለሉ፣ ኣድልዎን በደልን ተወጊዱ፣ ህዝቢታት ማዕረ ዕድል ረኺቦም ተረባሕቲ ዝኾንሉ ስርዓት ዝተዘርገሐላ ዕለት’ያ።

ተቃወምቲ ግና፣ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ዘበን ዓወት ከምዝኾነ ኣይኮነን ዝግምግሙ። ካብ መሪሕነት መድረክን ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞን ዶ/ር መረራ ጉዲና፣ ኢህወዴግ ብኩሎም መለክዒታት ከሲሩ’ዩ ይብሉ።

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብወገኖም ‘ኣብ ህንፀት ትሕተ ቅርፂ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ምዕባለ ዝረኸበትሉ። ብኣሉታዊ ጎኑ፣ ሓንቲ ሃገር ዝነበረት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነትሉ፣ ሃገር ወደብ ኣልባ ዝኾነትሉ’ውን’ዩ 20 ግንቦት። ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊ መሰላት፣ ካብ ወረቀት ሰጊሮም ዘይተተግበሩሉ እዋን’ዩ ዝሓለፈ 25 ዓመታት’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:38 0:00

XS
SM
MD
LG