ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝቕፅል ምርጫ ኣብያተ ምኽሪ ከባቢን ከተማ ከምቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ሽግራት ዝለውዎ እዩ ይብሉ ተቓወምቲ


የኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ
የኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ምርጫ ኣብያተ ምኽሪ ከባቢን ከተማን ከምቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ዝተፈላለዩ ሽግራት ዘለዎ ምዃኑ ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉን ዘይሳተፉን ተቓዋሚ ፓርትታት ገሊፆም።ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ግን ናይቲ ምርጫ ከይዲ ኣሳታፍን ብዝተፈላለዩ መዐቀኒታት ካብቶም ዝሓለፉ ዝሓሸን እዩ ኢሉ’ሎ።
ኣብዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ምርጫታት ከበድቲ ሽግራት ከምዝነበሮም ዝገለፁ ተቓወምቲ ፓርትታት እቶም ሽግራት ንኸይድገሙ ንቦርድ ምርጫ ዘቕረብዎም ናይ መዘራረቢ ነጥብታት ከሰሓሕቡ ፀኒሖም እዮም።ሕቶታት ዘቕረቡ ፓርትታ እውን ካብቲ ምርጫ ንባዕሎም ኣግሊሎም ኣለው።
ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ /ኢዴፓ/ ዝተፈላለዩ ቅሬታታት ብምቕራብ ተቓውምኡ ብምግላፅ ሓደ ተወዳዳሪ ጥራሕ ብምቕራብ ንምውድዳር ወሲኑ’ሎ።

ብቶም ፓርትታት ንዝቐረቡ ነጥብታት ዘይቕበል ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ብወገኑ ናይ ሎሚ ዘበን ከይዲ ምርጫ ዕውት እዩ ይብል።

ናብ 31 ሚሊዮን ህዝቢ ድምፂ ንምሃብ ምምዝጋቡ ዝሓበሩ ናይቲ ቦርድ ተሓጋጋዚ ኣታሓባባሪ ርክብ ህዝቢ እቶ ይስማ ጂሩ ናይ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ንምግዓዝ እናተሰርሐ ምዃኑን እቲ ምርጫ ብዝተፈላለዩ መዐቀኒታት ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝሐሸን እዩ ኢሎም።

ሎም ዘበን 29 ፓርትታት ምልክት ወሲዶም ኣለው፤መብዛሕቲኦም ፓርትታት እውን ተወዳደርቶም ብኡ ልክዕ ኣመዝጊቦም ኣለው ዝነሉ ንሶም ‘’ስለዚ ብመንፅር ተሳትፎ ክንምዝኖ ከለና፣ካብ ተሳትፎ ዝመርፅ ህዝቢ፣ክንምዝኖ ከለና ኣብ 2000 ዓ/ም 26 ሚሊዮን ዝነበረ ሎሚ ከባቢ 30.6 ሚሊዮን ተመዝጊቡ ዘሎ።’’

ኣብዚ ምርጫ ዝርአ ዘሎ ተሳትፎ ፖለቲካ ፓርትታት ዝለዓለ እዩ ዝበለ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ቀንዲ ተቓወምቲ ፓርትታት ካብቲ ምርጫ ወፃኢዮም እዮም ዝብል ኣበሃህላ ብጥንካረን ብድኽመትን ዝምደብ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ የለን ክብል ይሕብር።

ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ዝወሰኑ ገለ ፓርትታት ከይተረፉ ሽግራት ምህላዎም ይዛረቡ።ናይ ኢትዮጵያ ራኢ ፓርቲ ፕሬዝዳንት ኣቶ ተሻለ ሰብሮ ንደገፍቶም ምእካብ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መሰላት’ዃስ ከምዘይተፈቐድሎም ቅሬትኦም ገሊፆም።

ካብቲ ምርጫ ንባዕሎም ብምግላል ናይዝተኣኻኸቡ ፓርትታት ኮሚቴ ኣቦ መንበር ኣቶ ኣስራት ጣሴ’ውን ናይ ሎም ዘበን ንናይ ምርጫ ከይዲ ነቒፎም።ብርክት ዝበሉ ፓርትታት ካብቲ ምርጫ ንዓርሶም ከግልሉ ከለው ገዛኢ ፓርትን ቦርድ ምርጫን ከተሓሳስቦም ይግባእ ነይሩ ኢሎም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን ምርጫ ብርክት ዝበሉ ሕፁያት ዘቕረበ ኢህወዴግ እዩ።138 መናብር ኣብ ዘለዎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ቤት ምኽሪ 138 ሕፁያት ኣቕሪቡ’ሎ።
ኣብዚ ናይ ከተማ ቤት ምኽሪ ምርጫ ንምውድዳር ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከምዝርከቡዎም ይፍለጥ።

ቀዳማዊት እመ ቤት ዝነበራ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ሓዊሱ ኣብዚ ምርጫ ዝሳተፉ እንታይ ዓይነት ናይ ሓላፍነት ቦታ ከምዝሕዙ ግን ዝተረጋገፀ ነገር የለን።
XS
SM
MD
LG