ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሰማያዊ ፓርቲ ኣፍልጦ ሂቡ


Ethiopian Blue party Logo
Ethiopian Blue party Logo

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝነበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ ሰማያዊ ፓርቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣካይድዎ ንዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተቐቢሉ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ።

እቲ ቦርድ ሰማያዊ ፓርቲ ዘቕረቦ ሰነድ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብመሰረት ሕግን መተሓዳደሪ ሰነድ’ቲ ፓርትን ከምዝተኻየደ ድሕሪ ምምርማሩ ተቐቢሉ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ነቲ ፓርቲ ኣብ ዝለአኾ ደብዳበ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ሕጂ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰማያዊ ፓርቲ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደስትን አባላት አመራርሓ ዘይምርድዳእ ከምዝገበረ ብመሓውራት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ነበር ኣቶ ይልቃል ጌትነት ናይ ሕጂ ኣቦ መንበር ኣቶ የሸዋስ አሰፋ ዝነበረ ምስሕሓብ ናብ ቃልዕ ከምዝወጸ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG