ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምርጫ ኢትዮጵያ ቦተኦም ሒዞም፣ተቃወምቲ ግና ዕጉባት ኣይኮናን ይብሉ


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION

ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ’ቲ ናይ ቅድሜና ሰንበት ዝሳለጥ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝዕዘቡ 9 ቀነይቲን 50 ጊዚያዊን ተዓዘብቲ ኣዋፊሩ’ሎ።

ነቲ ጉጅለ ዝመርሑ ፕረዚደንት ናሚብያ ዝነበሩ ሂፍፑንይ ፓምባ’ዮም። ኢትዮጵያ ኣብ ህውከት ዘይፍለዮ ዞባ ኮይና ከላ፣ርግእትን ሰላማዊትን ሃገር’ያ ኢሎም እውን ንኢዶም።

“ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብቀ/ሚ ተመሪፁ ብፓርላማ ዝፀድቅ ኣካል’ዩ።ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ገለ ወገናት እቲ ቦርድ ዝምረፀሉ ኣገባብ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም ተገንዚቡ’ሎ።መታን እቲ መስርሕ ግልፅን ኩሉ-ሓቆፍን ክኸውን ኩሎም ፖለቲካዊ መሻርኽቲ ሪኢቶ ንክህቡሉ ንምሕፀን” ኢሎም።

ዝተፈላለዩ ተቃወምቲ ፓርቲታት ግና "ብተግባር ጉጅለ ተዓዘብቲ ዕጉባት ኣይኮኑን።ሓላፍነቱ ኣብ ምፍፃም ጉድለት ከምዘለዎ" ይገልፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ምርጫ ኢትዮጵያ 37 ሚልዮን ህዝቢን 58 ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ክሳተፉ’ዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:14 0:00

XS
SM
MD
LG