ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ምርጫ 2007 ንተቃወምቲ 'ማዕዳን መጠንቀቂን' ኣለኒ ይብሉ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “ንውሳነ ህዝቢ ክንቅበል ኢና” ኢሎም።ንተቃወምቲ ኣብዘለፍዎ ቃል ድማ፣

“ግጉይ ኣንፈት ዝጓዓዙ ተቃወምቲ ከይተረፉ፣ደጊሞም ክሓስቡሉን ንዲሞክራስያዊን ናፃን ምርጫ ንክዳለው እግረ-መገደይ ከዘኻኽር ይፈቱ። ኣይፋልናን እንተይሎም ግና መንግስቲ ግቡእ ስጉምቲ ንምውሳድ ተቀሪቡ ከምዘሎ ከዘኻኽር ይደልይ” ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ “ገለ መራሕቲ ተቃውሞ ንውፅኢት ምርጫ ንክቕበሉ ድልየት የብሎምን” ኢሎም። ብስም ዘይጠቀስምዎ ተቃወምቲ ‘ንሕና ተዓዊትና’፣’ተዘይተዓዊትና ግና እቲ ምርጫ ስለዝተሰርቀ ስጉምቲ ክትወስዱ ኣለኩም’ ከምዝበሉ እዚ ማለት ድማ ንውሳነ ህዝቢ ዘይምቅባል ማለት’ዩ” ይብሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም።

ብሕልፊ መራሕቲ ተቃውሞ፣ ውፅኢቱ ፅቡቅ ስለዘይመፅእ፣ዘይሩ ዘይሩ ክበልዖም ስለዝኽእል፣እዚ ጉዳይ’ዚ ብጥንቃቀ ንክሕዝዎ ክምዕዶም ይደሊ ኢሎም።

“ሻዕቢያን ተላኣኣኽቱን ንኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዘለዎም ዕላማ ኣይገደፉን” ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ ”ዝተኣለመ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምዝርጋሕ ኣይተቖጠቡን፣ ስለዚ ህዝቢ ተረጋጊኡ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ንክሳተፍ” ፀዊዖም ቀ.ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ።

ቀ/ሚ ንዝሃብዎ መግለፂ ሪኢቶ ንክህቡሉ ዝተሓተቱ ኣቦ-መንበር መድረክ ፕሮፈሰር በየ ጴጥሮስ “ህዝቢ ንዝኣተዎ መፅባዓ ምዕባለ ስለዘይተግብረ ኢህወዴግ ካብ ስልጣን ካብ ስልጣን ይውረድ’ዩ ዝብል ዘሎ” ኢሎም።

“ኣባሃህላ’ቶም ቀ/ሚ ቅንዕና ዘይብሉ’ዩ።ንዝፍፀም ሸፈጥ ኣርኪብናሉን ህዝቢ’ውን የቃልዖ’ሎ።ስለዚ ህዝቢ ንክውስን መዓስ ፈቂዶም’ዮም ከም’ዚ ዝዓይነቱ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትፅበዮ ዘረባ ዝዛረቡ ዘለው? ንሶም ይኹኑ ካልኦት ከምኡ ንምባል ሞራላዊ ብቅዓት የብሎምን’ውን”ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ኣብ ሕልና ህዝቢ ዝተርፍ ወፍሪ ምርጫ ክንገድፍ’ዩ ድልየትና ይብል ሰማያዊ ፓርቲ።መልሰ-ግብሪ ህዝቢ’ውን ዘዕግብ ምኻኑ ካብ ኣዲሳበባ ዝበፅሓና ዜና ምርጫ 2007 ኢትዮጵያ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG