ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ መዘራረቢን መካትዒን ኮይኑ (2ይ ክፋል)


Ethiopia
Ethiopia

ከመይ ገይሮም’ዮም ዝቃወሙ ማዕረ ሰላሳ - ኣርባዓ ሽሕ ህዝቢ ናብ ተቃውሞ ከውጽኡ ዕድል ረኺቦም? ዝብል ሕቶ መልሱ ‘መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ድኽመት ስለዘርአየ’ዩ፣ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ መሰረታዊ ድኽመት ኣለዎ። ቀዳማይ - ቅንዕና ዝጎደሎ’ዩ። ካልኣይ - ዓቅሚ የብሉን። ሳልሳይ - ሌባ ወይ ኪራይ ኣካቢ’ዩ። ራብዓይ - በለጸኛ’ዩ’ ይብል ጋዜጠኛ ጌታቸው ብዛዕባ መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ክገልጽ ከሎ።

ነጻ ተንታኒ ኣቶ ሰሎሞን ኣባዲ ብወገኑ ‘ቀንዲ ምንጪ እቲ ንርከበሉ ቅልውላው ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካዳምጽ ስለዘይካኣለ’ዩ። እቶም ጸገማት ህዝቢ ይፈልጦም’ዮ። እቲ ውድብ እውን ብናይ ባዕሉ መስመር ዝነጸሮም ኣለው። ክሳብ ሎሚ ንዘዳምጾም ቅሬታታት ህዝቢ እዋን ግቡእ መልሲ ኣይሃበሎምን’ ይብል።

ኣቶ ግዛቸው ግርማይ ብወገኑ ‘ህወሓት ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጸ ስለዝኾነ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዘለው ዝተጋገዩ ሓይልታት ዓቅምታት፣ ግዕዝይና ዝፍጽሙ’ዶ ኣለው? ሓደ ጉዳይ’ዩ። ኣብ መሪሕነት ድኽመት ኣሎ’ዶ፣ ቅንዕና’ዶ ይጎድል? በለጽ’ዶ ኣሎ? ንዝብል ሕቶ ግና ኣብ መቃልሕ’ቲ ውድብ ኣብ ወይን ብንጹር ዝተገለጸ’ዩ። ካብ’ዚ ዝገደደ ሕጽረታት ኣሎ ኣብ ትግራይ’ ይብል ኣቶ ግዛቸው።

ናይ ሰለስቲኦም ተሳተፍቲ ክትዕ ተኸታተሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:33 0:00

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:47 0:00

XS
SM
MD
LG