ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ አባላቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይምርመሩ ኣለው ይብል


ገለ አባላት ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ብገበን ግብረሽበራን ካልእን ተጠርጢሮም ይምርመሩ’ለው ክብሉ ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ሓቢሮም።

ካብቶም ገለ ንብዙሕ እዋን ኣበይ ከምዝአተው ከይተፈልጡ ዝጸንሑ ካብ ዝበሎም ጉድኣት ዝወረዶም’ዮም ክብሉ’ውን ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገማት ቀንዲ ምንጩ ጸገም ፖለቲካ’ዩ። ኣብ ላዕሊ ዝተበላሸ ስርዓት ኣብ ታሕቲ ቅኑዕን ትኽኽለኛ ኽከውን ኣይክእልን’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኦነግ ትማሊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ጸብጻብ አብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ህውከት ካብ ዘጋደዱ ሓይልታት ሓደ’ዩ ተባሂሉ ምጥቃሱ ይፍለጥ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንጉዳይ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝምልከት ንዝሓለፈ 25 ዓመታት መንግስቲ ንኦነግ ክኸስስ ጸኒሑ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG