ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮዽያ ንሰልፊ ተቃውሞ ምፍቃዱ፣ናበይ ኣንፈቱ?


ተቃውሞ ሰልፊ ኣዲስ ኣበባ
ተቃውሞ ሰልፊ ኣዲስ ኣበባ
ደገፍቲ ተቃውሞ ፓርቲ ኢትዮዽያ፣ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ፣ፀረ መንግስቲ ሰልፊ ምክያዶም፣መንግስቲ ኢህወዴግ፣ንተቃወምቱ ተወሳኺ ዝንቀሳቀስሉ ባይታ ይፈቅድ ደኾን ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ‘ሎ። ተቃወምቲ፣ጠለባትና እንተዘይተማሊኡ ግና ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ካልእ ሰልፊ ክህልወና‘ዩ‘ውን ይብሉ።

ኣብ‘ዚ ወርሒ‘ዚ ንዝተካየደ ተቃውሞ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዘዳለው ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ይርከብዎም።መብዛሕተኦም ዕለታዊ ዝሰርሑን ንሰማያዊ ፓርቲ ብድልየቶም ዝሕግዙን‘ዮም።ሓላፊ ስትራተጂን ውጥንን እቲ ፓርቲ ወረታው ዋሴ፣

”ኣብ ካልኦት ፓርቲታት‘የ ተሓቊፈ ነይረ።ግን ዕጉብ ኣይነበርኩን።ምኽንያቱ ነቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ለውጢ ኣይሰርሑን።ስለዚ ባዕለይ ኣግሊለ፣ዳሓር ነዚ ፓርቲ‘ዚ መስሪትና።ብሙሉእ ልበይ‘የ ነዚ ፓርቲ‘ዚ ዝድግፎ።ምኽንያቱ ንምዕዋት ዕላምኡ፣ደገፍ መናእሰይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ”ይብል።

ሓላፊ ውዳበ ሰማያዊ ፓርቲ ጌታነህ በላቻ ብወገኑ፣ብሞይኡ መሃንዲስ ምኻኑን ኣብ ትርፊ ጊዜ ንሰማያዊ ፓርቲ ከምዝሰርሕን፣ድልየቱ ፍትሕን ዴሞክራስን ኣብ‘ታ ሃገር ክረጋገፅን ምኻኑ ይሕብር።

ብድልየቶም ዝተላዓሉ መናእሰይ፣ኣብ ዝተፈላለዩ ስፍራታት ይላዘቡ። ምልክታት ሰማያዊ ፓርቲ፣ኣብ ኣብያተ-ፅሕፈቶም፣ኣብ ገደነኦም፣ኣብ ማዕፆ እቲ ፓርቲ ተሰቂሉ ይራኣይ።

34 ዓመት ዝዕድሚኣ፣ሓላፊት ዘፈር ደቂ-ኣነስትዮ ሃና ዋለልኝ ብወገና ከም‘ዚ ትብል።ሃና ወሲኻ“ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቂምና፣ንህዝቢና ናፅነት ምዝራብን ሓሳብካ ምግላፅን፣ናፅነት ምፅሓፍን ኩሎም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንክረጋገፁ ክንሰርሕ ኢና” ባሃሊት‘ያ።

ኢትዮዽያ፣ንዝሓለፉ 22 ዓመታት ብመንግስቲ ኢህወዴግ ትማሓደር ሃገር‘ያ። ኩሎም መናብር ፓርላማ‘ታ ሃገር ዳርጋ ብኣባላት ኢህወደግ ዝተታሓዘ‘ዩ። ነቀፍቲ፣ንኢህወዴግ ንኢትዮዽያ ሃገር ሓደ ፓርቲ ገይሩዋ እናበሉ ይወቅሱ። ሰማያዊ ፓርቲ ብመሰረቱ ሓድሽ ፓርቲ‘ዩ።ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣባላት ዝሓዘ‘ውን‘ዩ።

ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑን ተወሳኺ ፖለቲካዊ ባይታ ይፈጠረልና ከም ዝብሉ ሕቶታት ምላሽ እንተዘይረኺቦም፣ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፣ካልእ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ክህልወና‘ዩ‘ውን ይብል ሰማያዊ ፓርቲ።
XS
SM
MD
LG