ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ባህዳር ኣባይትና ብሓይሊ'ዩ ፈሪሱ ይብሉ ክልላዊ መንግስቲ ግን በዚ ኣይሰማማዕን


 ካርታ ኢትዮጵያ - ፋይል
ካርታ ኢትዮጵያ - ፋይል

ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ኣባይትና ብሓይሊ ፈሪሱ፣ኣብቲ መስርሕ ምፍራስ ብዝተፈጥረ ግጭት ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ተሃሪሞም'ዮም ክብሉ ይኸሱ።ኣብ ክልል ደቡብ እውን ከተማ ንምስፍሕፋሕ ብዝብል ብዘይካሕሳ ኣባይትና ብሓይሊ ፈሪሱና ይብሉ።ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ሕጋዊ ዘይኮኑ ኣባይቲ ምፍራሶም ብምግላፅ ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ማህረምቲ ግን ሓበሬታ የብለይን ኢሎም።

ይባብ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከተማ ባህርዳር ኣብ 13 መጋቢት 2009 ዓ.ም ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተሰርሑ እዮም ብዝብል ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባይቲ ምፍራሶም ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ግዳይ እየ ዝበሉ ገሊፆም።ገዛውቲ ዝፈረሰሉ ኣገባብ ንነበርቲ ስለዘይተገልፀ ዜግነታዊ መሰልና ኣይተሓለወን’ውን ኢሎም።

“ነቲ መሬት ዝገዝአ ሰብ ካብ ሕጊ ወፃኢ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እዩ።ገንዘቡ ከፊሉ እዩ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ነይሩ።ንሕና ከም ዜጋ ዘይሕጋዊ ክንበሃል ኣይግባእን።ገንዘብና ከፊልናሉ ኢና።”

ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ግን በዚ ኣይሰማምዑን።

“ኣባይቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ዝተሰርሑዎም ከባቢታት እቲ ሕብረተሰብ እናፍረሰ ዘረከበሉ ኩነታት ኣሎ።ፍቓደኛ ኣብዘይኮንሉ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ተሰሪሑ’ሎ።መብዛሕቲኡ ግን ብስምምዕን ምትእምማንን እዩ ተፈፂሙ።”

እቶም ኣባይቲ ክፈርሱ ከለው ኣብ ዝተፈጥረ ወጥሪ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ማህረምቲ ፈፂሞም ክብሉ እዞም ሽሞም ዘይገለፁ ነባሪ ይዛረቡ።ኣባይቶም ዝፈረሱዎም ብዘይመንበሪ ተሪፎም ኣብ ፀገም ከምዝወደቑ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ግን ነቲ ጉዳይ ብዝርዝር ከምዝርኣይዎን ክሳብ ሕዚ ጉዳኣት ወሪዱ ዝብል ሓበሬታ ከምዘይብሎምን ብምግላፅ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ብውልቆም ከምዝሓዘኑ ብምሕባር ኣባይቲ ብዝምልከት ናይቲ ክልል መንግስቲ ፍታሕ ከምዘናድይ ተስፋ ሂቦም።

ኣብ ክልል ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፣ዞባ ዳውሮ፣ወረዳ ማርቃ ከተማ ንምስፋሕ ብዝብል ሰባት ካብ ሕጋዊ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኢሎም።ብዘይእኹል ካሕሳ ልዕሊ 180 ኣባይቲ ከምዝፈረሱ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ብዛዕባ እዚ ካብቲ ክልል መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG