ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ምፋራስ ዝተአከበ ጎሓፍ ይውስኽ’ሎ


ኣብ አዲስ አበባ ቆሼ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምፍራስ ኩምራ ጎሓፍ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ቁጽሪ ዝሞቱ 82 ከምዝበጽሓ ሓቢሩ’ሎ።ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 72 ምኳኑ ገሊጾም'ለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ’ሎ።

መንግስቲ ዛጊት መበገሲ’ቲ ምፍራስ ኩምራ ጎሓፍ ኣይገለጸን፡ ገለ ካብቲ ሓደጋ ዝድሓኑ ግን በቲ ሓደ ወገን’ቲ ጎሓፍ ብምኩዓት’ቲ ጎሓፍ ናብቲ ንሳቶም ዝነብርሉ ወገን ብምድፋኡ’ዩ ክብሉ ንመንግስቲ ተሓታቲ ጌሮም ኣለው።

ተቃዋሚ ፓርቲ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢአድ) ብወገኑ እቲ ሓደጋ ከተማ አዲስ አበባ አብ ዝለዓለ ማህበራዊ ቅልውላው ከምዘላ ዘርኢ'ዩ ድሕሪ ምባል ብህልቀት ዜጋታት ምምሕዳር አዲስ አበባ ተሓታቲ’ቱ ኢሉ’ሎ።

ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ምፋራስ ዝተአከበ ጎሓፍ ይውስኽ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00

አምንስቲ ኢንተርናሽናል’ውን ዘጋጠመ ሓደጋ መንግስቲ ሓላፍነቱ ዘይምፍጻሙ ንጹር መርኣያ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ቁጽሪ ዝሞቱ ግዳያት ምፋራስ ዝተአከበ ጎሓፍ ይውስኽ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:32 0:00

XS
SM
MD
LG