ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

5.6 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ናይ ህጹጽ ጊዜ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ተገሊጹ


ኮሚሽነር ሃገራዊ ስራሕ ስግኣት ኣቶ ምትኩ ካሳ
ኮሚሽነር ሃገራዊ ስራሕ ስግኣት ኣቶ ምትኩ ካሳ

ብሓደጋ ውሕጅን ሓድሽ ብዘጋጠመ ደርቅን ኣብ 2017 ዓ.ም 5.6 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ናይ ህጹጽ ጊዜ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ገሊጾም።

ካብቶም ተሓገዝቲ መብዛሕትኦም አርባሕቲ ከብቲ ምዃኖም ዝገለጹ ኮሚሽነር ሃገራዊ ስራሕ ስግኣት ኣቶ ምትኩ ካሳ 948 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድልይ ሓቢሮም'ለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ንሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ግምገማ እቶት ቀውዒ መበገሲ ዝገበረ ሰነድ፡ ኣብዚ ግምገማ ናይ ፈደራል ሚኒስተር ኣብያተ ዕዮ ናይ ክልል ጨንፈራት ኣብያተ ዕዮ ሕቡራት ሃገራት ለገስቲ ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላት ከምዝተኻፈለ ኣብቲ ሰነድ ተገሊጹ’ሎ።

እቲ መግለጺ ካብዞም ዝተጠቅሱ አካላት ዝተዋጽኡ 230 ዝኾኑ ወከልቲ ኣብ ትሸዓተ ክልላት ዝርኸቡ ዝተሃስዩ ከባቢታት በጺሖም ይብል።

ውጽኢት ግምገማ ዝገለጹ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኮሚሽነር ሃገራዊ ስራሕ ስግኣት ቁጽሪ ተሓገዝቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንተነከየ’ዃ ፈጺሙ ኣይተወገደን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

5.6 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን ናይ ህጹጽ ጊዜ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00

XS
SM
MD
LG