ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ኣኼባ ኣመሓደርትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ተኻይዱ

  • ገብረ ገብረመድህን
  • ቪኦኤ ዜና

ፋይል-

ፋይል-

መበል 31 ሓባራዊ ኣኼባ ኣመሓደርትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከተማ ሞምባሳ ሎሚ ረቡዕ ተኻይዱ።ካብ ሚኒስትር ወፃኢ፣ምምሕዳር ውሽጢ ሃገር፣ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣካላት መንግስቲ ከምኡ’ውን ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣካላት ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ምንባሩ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ገሊጾም።

ብዛዕባ ዶብ ክልቲአን ሃገራትን፣ንግዲ፣ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ፀጥታን፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ከምዝተዘራረቡ እቶም ኣምባሳደር ኣፍሊጦም።

“ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ብሓፈሻ ፀገም ሃገራት ኣፍሪካ እዩ።ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ናይቲ ዝውውር ምንጪ፤ገሊአን መዕረፊ ገሊአን ድማ መተሓላለፍቲ እየን።ኬንያ መልዐሊ፣መዕረፊትን እያ ብዋናነት ግን መተሓላለፊት እያ እዮም።”

እቶም ኣምባሳደር ብተወሳኺ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኬንያ ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለውን ብወገን ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ካብ ምንጩ ንምንፃፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስራሓት ይስርሑ ኣለው ኢሎም።

ብዛዕባ ምውፃእ ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ ገለ ካባቢታት ሶማል ዝተሓተቱ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ኣሚሶም ዝተሓቑፉ ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ኣይወፁን።ካብ ሶማል ዝወፀ ካብ ኣሚሶም ወፃኢ ዝነበረ ሓይሊ እዩ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG