ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ “ናይ ዓለም ጅግና ነጻነት ፕረስ” ተባሂሉ ተረቑሑ


ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ
ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ

ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሩ ዝርኸብ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ኣብ ኦስትርያ ቬና ዝመደበሩ ዓለምለኸ ኢንስትዩት ፕረስ “ናይ ዓለም ጅግና ነጻነት ፕረስ” ተባሂሉ ተረቑሑ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኼሽን’ቲ ትካል ስቲቨን ኤልሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ካብ’ቲ ትካል ሽልማት ጀግና ነጻነት ፕረስ ዝተባህለ መበል 69 ሰብ’ዩ።

እቲ ትካል በብዓመቱ ህይወቶም መስዋእቲ ብምግባር ኣብ አጸጋሚ ኩነታት’ውን ሞያ ጋዜጠኝነት ብተግባር ዝተፈተኑ ብሓፈሻ ኣብ ነጻነት ሚድያ ዓብይ አበርክቶ ዝገበሩን ጋዜጠኛታት ብጀግንነት ነቲ ሽልማት ይርቑሑ ይብል።።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG