ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሎንዶን ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ኣብ ሎንዶን ዝርኸቡ ገለ ኤርትራዊያን መንግስቲ ኤርትራ ንኩነታት ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ብሕትው ማእሰርቲ ዝርኸቡ ፈተውቶምን ስድራቤቶም ከፍልጥ ጻውዒት ብምቅራብ ትማሊ ኣፎም ብጨርቒ ብምእሳር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ጓል ሓፍቱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ቨኔሳ በርሃ ከምዚ ትብል።

“ብወግዒ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን። ብዛዕባ ኩነታቶም ኮነ ጥዕንኦም ዝፍለጥ ነገር የለን። እዚ ድማ አባላት ስድራ እሱራት ዝሓልፍዎ ዘለዎ ካልእ ስቕያት ሓደ’ዩ። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ እዚ ሰልፊ ድማ አስማት ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ዝፈልጥዎም ሰባት ሒዞም አለዉ። ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርኸቡ ድማ ንፈልጦ ነገር የለን።”

ጸዳል ዩሃንስ ሓፍቲ ኣብ ማእሰርቲ ትርኸብ አስቴር ዩሃንስ’ያ’ ጸዳል ሓፍታን በዓል ቤት ሓፍታን ከምተአሰርዋ ብምግላጽ ከምዚ ትብል።

ኣብ ሎንዶን ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

“ዓለምለኸ ማህበረሰብ አሕዋትና አሓትና ካልኦት ኣባላት ስድራቤትን ንልዕሊ 15 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርኸቡ ክፈልጡ አለዎም። ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለዎ ኩነታት ጥዕንኦም ኣይንፈልጥን። ዝኾነ ይኹን ስድራ ናይ ምብጻሕ መሰል የብሎምን”

ካልእ ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ሻም ገብርኤል ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ 10 ዓመታት ምቑጻሩ ብምግላጽ እቲ ኩነታት ብጣዕሚ ዘፍርሕ ምኳኑ ንቡር ነገራት ንምክያድ አጸጋሚ ምኳኑን ምክንያቱ ከይትእሰር ወይ’ውን ዝኾነ ስቓይ ከየጋጥም የስግእ ስነ-ኣእምሮውን አስጋኢ ምኽንያቱ ሓደ አካል ሰብአዊነት’ዩ ዝጸልው። ኣብ ማህበረሰብ’ውን ምስ መን ከምትቐርብ እንታይ ከምትገብር ምስ መን ከምትነብር’ውን ክጥንቀቕ አለኻ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ኣብ ሎንዶን ዝርኸቡ ኤርትራዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:33 0:00


XS
SM
MD
LG