ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ወትሃደራት ንምንስቴር ዜና ኤርትራ ተቆፃፂሮም’ ይብሉ ምንጭታት


ASMARA
ASMARA
ካብ ኤርትራ ዝወፁ ሪፖርታት፣ተቃወምቲ ንህንፃ ምንስቴር ዜና ድሕሪ ምቁፅፃሮም፣ብታንክታት ዝተሰነዩ ወትሃደራት፣ነቲ ህንፃ ከቢቦም ከምዝርከቡ ይሕብሩ።

ብመሰረት‘ቲ ሪፖርት፣ኣስታት ሚእቲ ወትሃደራት ሎሚ ሶኒ ናብ ምንስትር ዜና ህሩግ ኢሎም ብምእታው፣ንጋዜጠኛ መንግስታዊ ቴሌቭዥን ኣገዲዶም፣ ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ፣ናይ 1997 ሕገ-መንግስቲ ይተግበር ዝብል መግለፂ ንከንብብ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ንመንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ረኺብና ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ዛጊድ ኣይሰለጠን።ካልኦት ሚድያታት‘ውን እንተኾኑ ኣብ ኣስመራ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ንምፅብፃብ ኣይካኣላን ዘለዋ።

ዲፕላማስያዊ ምንጭታት ኣስመራ ግና፣ኩነታት ህዱእ ኣይኮነን ዘሎ።ዕላማ‘ቲ ስርሒት እንታይ ምኻኑ‘ውን ኣይንፅሩን ይብሉ።ቪኦኤ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ ኣስመራ ግና፣ኣብ ጎደናታት ፍሉይ ምንቅስቃስ ንምህላው ዝሕብር ነገር የለን ኢሎም።

እቲ ዜና ንመንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዕላው ፈተነ እንተኾይኑ መረጋገፂ ኣይተረኸበን።

ብዛዕባ ኤርትራ ዝፅሕፍን ምስ ተቃወምቲ ዝራኸብን ጋዜጠኛ ሌኦናርድ ቪንሰንት ብወገኑ፣ተቃወምቲ ንካልኦት ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላት‘ውን ንምቁፅፃር ፈቲኖም ነይሮም።ዕፃኦም ግና ኣይተነፀረን ይብል።ቪንሰንት ነቲ ስርሒት ፈተነ ዕልዋ ካብ ምባል ግና ተቆጢቡ‘ሎ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ፣ኣሜሪካውያን ኣብ ኣስመራ ድሩት ምንቅስቃስ ንክገብሩ ምዒዱ‘ሎ።እቲ መግለፂ ወሲኹ፣ኣብ ገለ ከባቢታት ኣስመራ፣ወትሃደራዊ ምንቅስቃስ ከምዝወሰኸ፣ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ይስመዖም ይብል።

ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ እንግሊዝ ብዛዕባ‘ዚ ዜና‘ዚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዘይዝውቱር ወትሃደራዊ ምንቅስቃስ ኣሎ ዝብል ሪፖርት ከምዝበፅሖን፣ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍኖ መደባት ቴሌቭዥንን ሬድዮን ተዓፅዩ ዝነበረን ይመስል ይብል።

ምንጭታት ምዕራባዊ ዲፕሎማታት ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ስሩዕ ስርሑ ይፍፅም ምህላው‘ውን ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG