ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ሸቶ ሚለንየም ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን 4ተ ዕውታት ዘለዋ ሃገራት ሓንቲያ ኢሉ


ኣምባሳደር ተ/ሚካኤል ገራህቱ
ኣምባሳደር ተ/ሚካኤል ገራህቱ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ፡ ኣብ ኤርትራ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ ኢሉ።

ጠንቂ ጉዳይ ሕጽረት ሓይሊ ኤለክትሪክ ፡ ወሰኽ ጠለብን፡ ምብልሻው ገለ ኢንጅናትን ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ፡ነዊሕ ዝጸንሕ ጸገም ስለዘይኮነ ክንሰግሮ ኢና ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ምውጻእ መንእሰያትን ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ምስተሓተተ ድማ እቲ መርበብ ሰፊሕ ምዃኑን ኤርትራ ንዓለም ክትነግር ምጽንሓን ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ካብ ኤርትራ ብዘይ ሕጊ ዝወጹ መንእሰያት፡ ብዙሓት “ከምቲ ዝተሓልመ ኣንጻር መንግስቶም ክሰርሑ ዘይኮነስ ናይ ጣዕሳ ወረቐት እናመልኡ ናብ`ታ ዝሰርሑላን ዝተኸላኸሉላን ሃገሮም ብሰላም ይመላለሱ ኣለዉ “ኢሉ።

“እዚ መንእሰይ`ዚ መብዛሕቲኡ ንሃገር ዝተኸላኸለ፡ ንሃገር ተኸላኺሉ ኸኣ ኣብ ልምዓት ዝተሳተፈ…ነዛ ሃገር`ዚ ብኽልተ እግራ ጠጠው ክትብል ዝገበረ ስለዝኾነ፡ ክኽሰር ስለዘይብሉ ግቡእ ኣተሓሕዛ ይግበረሉ`ሎ”

ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ፡ ጉዳይ ዶብ ዝብሃል የለን፡ ጉዳይ ዶብ ተወዲኡ`ዩ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ይውጻእ ምስ`ዚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሰላም ክንነብር ኢሉ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ።

ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡
Ambassador Tesfamichael Gherahtu-Part-3
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:18 0:00
መራገፊ

Part 1 & 2 Can be found in the following link:
http://tigrigna.voanews.com/content/ambassador-gerahtu-part-2/1732810.html
XS
SM
MD
LG