ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ካብ እስራአል ብኣስገዳድ ዝጥረዙ ኣይቅበልን ትብል

  • ተወልደ ወልደገብሬል

እስራአል ብግብጺ ሰሊኾም ናብ መሬታ ዝኣትዉ ኣፍሪቃውያን ንዓዶም ክትመልሶም ትደሊ ኣላ

ኣብ እስራአል ኣምባሳዶር ኤርትራ ተስፋማርያም ተኸስተ፡ ምስ ጋዘጠኛ ተወልደ ወልደገብሬል ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ 2006 ዶብ ግብጽን-እስራአልኝ ክኸፍትዎ ኸለዉ፡ ግደፉ፡ ንመንእሰያትና ዕድመ ኢኹም ትገብሩሎም ዘለኹም፡ ዶብኩም ዕጸዉ ኢልናዮም ኔርና ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ሕጂ ቁጽሪ ስደኛታት ምስበዝሐ፡ ብዙሓት ድማ ስሩዕ ናብርኦም ክመርሑ ምስ ጀመሩ፡ብሓይሊ ክነውጽኦምሞ ተቐበሉና ምባል ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን ኢሉ።

ብካልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ዘይኮኑ፡ ግን ብሽም ኤርትራውያን ወረቐት ዝሓዙ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ስለዘለዉ፡ ክንቅበሎም እንተበልና`ውን ንምፍላዮም ካልእ ጣጣ`ዩ ይብሉ ኣቶ ተስፋማርያም ።

ብመሰረት ካብ እስራኤል ዝወጽእ ሓበረታ፡ካብ 2006 ጀሚሮም ናብ እስራእል ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ቁጽሮምልዕሊ 30 ሺሕ ከምዝግመትን፡ ካብኦም 60% ዝኾኑ ብኤርትራውያን ዝፍለጡ ምዃኖምን ይጥቀስ።

ንምሉእ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG