ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`Human Rights watch ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕረቦ `ምዝመዛ ናጻ ጉልበት` ይካየድ`ዩ ዝብል ጠቐነ፡ ብሓሶት ዝተባዓጠ`ዩ ይብሉ- ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም


GIRMA ASMEROM
GIRMA ASMEROM

ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝምልከትን ብማዕረ ዘርብሕን ሃገራዊ ልምዓትን ምኽባር ልዑላውነት ሃገርን`ዩ ይብሉ ኣስዒቦም

ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ኩነታት እናዓምበበ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ዘፈር-ማዕድን ተዋፊሮም ዘለዉ ኩባንያታት ማዕድን፡ ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተሳተፍቲ ናይ ምዃን ሓደጋ ኸምዝጽበዮም Human Rights Watch ከምዘሰመዐ ይዝከር።

በቲ ኽሲ ዝተጠቕሰ ካናዳዊ Nevsun Resources ብወገኑ፡ ኣብ ቢሻ ዝሰርሑ ኩሎም ዘይተጣየሹ ተመልመልቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘይኮኑ ናይ ምርግጋጽ ጽኑዕ ፖሊሲ ኣለና ይብል።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ርእቶኦም ዝሃቡ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ድማ “ጸብጻብ Human Rights watch ሕሱርን ብሓሶት ዝተባዓጠን ገንዘብ መለመንን`ዩ” ኢሎም።
To listen: click here
Eritrea-Bisha-Mining
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG