ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪራይ ወደብ ዓሰብ ንሕፅረት ገንዘብ ዘጋጠማ ኤርትራ ደገፍ ይኾና’ሎ ይብል ሓደ ተንታኒ


ወደብ ዓሰብ
ወደብ ዓሰብ

ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ምጥቃም ካብ ትገድፍ ንድሓር ኣብ ዘሎ እዋናት፣ እቲ ወደብ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣይጸንሖን። ሕጂ ግን ኣስመራ ነቲ ወደብ 500 ሚልዮን ዶላር ንሕቡራት ዓረብ ኢምረትስ ኣካርያቶ’ላ ይብል ምስ ቪኦኤ ቃለ ምልልስ ዝገበረ ሰራሕተኛ ዓለም-ለኸ ቅልውላው ሰድሪቅ ባርነስ።

ሕቡራት ዓረብ ኢምረትስ ንወደብ ዓሰብ ዝተኻረየቶ፣ ኣብ ወፍሪ የመን መደብር ሓይሊ ባሕሪ ክትጥቀመሉ ኢላ ከምዝነበረ ይጠቅስ።

‘ካብ ኪራይ ወደብ ዓሰብ ዝርከብ ገንዘብ ገዚፍ ፋይናንሳዊ መኽሰብ’ዩ። ክሳብ 500 ሚልዮን ዶላር ኢና ንዛረበሉ ዘለና መጠን ኪራይ። ሕቡራት ዓረብ ኢምረትስ ንወደብ ዓሰብ ንምክራይ ትኸፍሎ መጠን ገንዘብ፣ ካብ’ቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንኤርትራ ክህቦ ዝወሰኖ መጠን ብዕፅፊ ዝዓበየ’ዩ’ ይብል እቲ ተንታኒ።

‘ኤርትራ ካብ ‘ተነፅሎ’ ምባል ይካኣል ስለምንታይ ትወፅእ ከምዘላ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው እንተኾነ ኤርትራ ተነፂለ’ውን ኢላ ኣይትፈልጥን። ምስ መላእ ዓለም ፅምዶ ኣለኒ’ውን’ያ ትብል። ከምዝመስለኒ፣ ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ዓለም ዘለዋ ገፅታን ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ተራ ንምምሕያሽን እናነጠፈት’ያ ፀኒሓ’ እውን ኢሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

XS
SM
MD
LG