ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ክሲ ኢትዮጵያ ዘይስነሞገታዊን ንተንኮልን’ዩ’ ኢሎም ሚኒስትር ዜና ኤርትራ


Eritrea
Eritrea

‘ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ንግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ንዝወፈሩ ደባይ ተዋጋእቲ ደምሲሰ’ ክትብል ኢትዮጵያ ንዝሃበቶ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈልጦ ነገር የለን ኢሉ’ ብመሰረት ትካል ዜና ብሉምበርግ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዛዲግ ኣብራሃ ‘ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ ኤርትራ ንዝተበገሱ 13 ደባይ ተዋጋእቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ቀቲሉ፣ ንካልኦት ድማ ማሪኹ’ ከምዝበሉ ብሉምበርግ ገሊጹ’ሎ።

ብካልእ ወገን፣ ንትካል ዜና ብሉምበርግ ብትዊተር መልሲ ዝላኣኹ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ‘እዚ ክሲ’ዚ ዘይ- ስነሞገታዊን ንተንኮል ዝተባሃለን’ዩ’ ኢሎም።

ኣቶ የማነ ወሲኾም "ብዛዕባ’ቲ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያ ሰሚዔ’ውን ኣይፈልጥን ከምዝበሉ"እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ወካሊ ዕጡቃት ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣቶ ዓብዱል ዋህድ ብዛዕባ’ቲ ክሲ ሪኢቶ ንቪኦኤ ሂቡ’ሎ "መግለጺ ኢህወዴግ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ’ዩ" ኢሉዎ’ሎ።

‘ዕላማ ምንቅስቃስ ነጻንርት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ንመንግስቲ ወያነ ንምውዳቅ’ዩ። ግድብ ኣባይ ንብረት ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ። ንብረት ህዝቢ ቤንሻንጉል’ዩ። ኣባይ ስለዝተገደበ ሕጉሳት ኢና። ንግድብ ኣባይ ዝትክንፍ ወገን ጸላኢና’ዩ’ ኢሉ።

ኣቶ ዓብደል ዋህድ ኣብ ዘረብኡ 'እቶም ናብ ሱዳን ሃዲሞም ዝተባሃሉ 7 ዕጡቃት ካብ መንግስቲ ሃዲሞም ናባና ንክሕወሱ ዝፈተኑ’ምበር ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዝፈተኑ ኣይነበሩን' ኢሉ።

XS
SM
MD
LG