ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህወዴግ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ጉባኤ ከካይድ እዩ


eprdf logo
eprdf logo
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ካብ 14 ክሳብ 17 መጋቢት ኣብ ከተማ ባህር ዳር ኣብዝካየድ 9ይ ጉባኤ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲ ግንባር/ኢህወድግ/ ኣብ 2003 ዓ/ም ዝተርኣየ ዓይነት ለውጢ ትፅቢት ከምዝይግበረሉ ናይቲ ፓርቲ ምንጭታት ገሊፆም።ብመስርሕ ምትኽኻእ ካብ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ከምኡ’ውን ካብ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዝለቁ ሰበስልጣን ክህልው ከምዝኽእሉ’ውን ተገሊፁ’ሎ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሑዎ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣዳማ ጉባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እዮም።

ኢህወደግ ዝጀመሮም ስራሕቲ ህንፀት ኣመራርሓን ምትኽኻእን ኣብቲ ናይ ባህር ዳር ጉባኤ ዝልዓሉ ከምዝኾኑ ናይቲ ፓርቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ጉባኤን ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ንመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ገሊፆም።

እቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ኣዳማ ጉባኤ ምስካየደ ኢህወድግ ብብዙሓት ለውጥታት እዩ ሓሊፉ።ኣብቲ እዋን ኣቦ መንበር ዝነበሩ ሎሚ ብህይወት ስለዘየለው ኣብ መሪሕነት እቲ ፓርቲ ምሽግሻግ ተገይሮም።ኣብ ናይ መንግስቲ ካብኔት እውን ውሱን ለውጥታት ተራእዮም እዮም።
እዚ ናይ ባህር ዳር ጉብኤ ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦመንበር እቲ ፓርቲ ክመርፅ እዩ።

ምንጭታት ኢህወዴግ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ኣቦ መንበር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ምኽትሎም ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዳግማይ ክምረፁ እዮም።ናይዚ ምኽንያት ድማ ኢሎም እቶም ምንጭታት ክልቲኦም መራሕቲ ብፖሊስ ምትኽኻእ ናብ ሓላፍነት ስለዝደየቡ እዩ ኢሎም።

ኢህወዴግ ድሕሪ 2002 ዓ/ም ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ሰለስተ ዙር ዝፍፀም ናይ ኣመራርሓ ምትኽኻእ መስርሕ ኣብ ግብሪ እናውዓለ ይርከብ።

በዚ መሰረት ኣብ መጀመሪያ 2003 ዓ/ም ብዝተርኣየ ፈላማይ ዙር ምትኽኻእ ናይ ኢህወደግ ምኽትል ኣቦመንበርን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ዝነበሩ ኣቶ ኣዲሱ ለገሰ ከምኡ’ውን ምኽትል ኣቦመንበር ህውሓትን ምንስቴር ጉዳያት ወፃእን ዝነበሩ ኣቶ ስዩም መስፍን ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ይዝከር።

ኢህወደግ ካልኣይ ዙር ናይ ስልጣን ምትኽኻእ ኣብ ናይ ባህር ዳር ጉብኤ ክትግብር ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ካብ ስራሕ ፈፃሚ እቲ ፓርቲ ከምኡ’ውን ካብ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዝለቁ ሰበስልጣን ከምዝህልው ተዛሪቦም።እኒ መን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግን እቶም ምንጭታት ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።

ቅድሚ ናይ ኢህወዴግ ጉባኤ ኣርባዕቲኦም ኣባል ፓርትታት ናይ ባዕሎም ኣመራርሓ ከምዝመርፁ ተፈሊጡ’ሎ።

900 ዕዱማት ሓዊሱ 250 ሰባት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝርከቡ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣፍሊጡ’ሎ።15 ናይ ወፃኢ ሃገራት ፓርትታት እውን ክርከቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
XS
SM
MD
LG