ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኸባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራን መቐለን


በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ(ጸጋም)ን በዓል ጥምቀት ኣብ መቐለ (የማን)
በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ(ጸጋም)ን በዓል ጥምቀት ኣብ መቐለ (የማን)

ኣብ ከተማ መቐለ ብገዛ ፍቓዶም ዝተወደቡ 150 መንእሰያት ኣብታ ከተማ ዝርኸባ ኣድባራት ወርሓውን ዓመታውን ዘካይደኦም በዓላት ብሰላምን ስርዓትን ንኽፍፀም ይመርሑን የተሓባብሩን።

ኣተሓባባሪ እቲ ውዳበ መንእሰይ መልኣኩ መሓሪ 'ናታኒም' ብ2001 ዓ.ም. ብ12 መንእሰያት ከምዝተጀመረ ይገልፅ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ታቦታት ዝሓድርሉ ኣደራሽ ተሃኒፁ'ሎ፤ ከምኡ እውን ዝተባረኸ ማይ ናብ ምእመናን ዝንፀገሉ መዋህለሊ ገንኢ ተሰሪሑ እዩ።

ኣከባብርኡ ድማ ኣብ ድሮ ጥምቀት ኣድባራት ከካብ ዘለውዎ ብለባስያን፣ ብመዘምራንን ህዝበ ክርስትያንን ታዓጂቦም ከም ክርስቶስ ናብ ዮሃንስ ዝኸደሉ ናብ ሓደ መጥምቐ ባሕሪ ይእከቡ፤ ኣውኡ ድማ ይሓድሩ::

ኣብ ዕለተ ጥምቀት ስርዓተ ጸሎትን ምስጋናን ተሰሚዑ ዝተባረኸ ማይ ተነጺጉ ረፋድ ምስኰነ ኣድባራት ብዘይካ ታቦተ ሚኪኤል ነናብ መረበቶም ይምለሱ:: ታቦተ ሚካኤል ክልተ ለይቲ ሓዲሩ ኣብ ጽባሕ ጥምቀት (ኣብ ቃና ዘገሊላ) እዩ ዝምለስ::

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ በዓል ጥምቀት ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣኸባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራን መቐለን ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣኸባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራን መቐለን
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:15 0:00

XS
SM
MD
LG