ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሰናይ" ማሕበር ዘውድቕ ሕማም( Epilepsy) ዘለዎም ወገናት 


ኣይተ ቢታ በየነ
ኣይተ ቢታ በየነ

ኣይተ ቢታ በየነ ኣብ ስዊድን ን30 ዓማውቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ወዲ 20 ወዶም ሰናይ ቢታ ብጠንቂ ዘውድቕ ሕማም ስኢኖም።

ብድሕሪኡ ምስ መሓዙቶም ብምዃን ብስም ሰናይ ወዶም ማሕበር ብምጥያሽ ሕብረተሰብ ኣብ ዘውድቕ ሕማም ዘለዎ ግንዛበ ክዓብን ንግዳያት ክሕብሕብን ይፅዕሩ ምህላዎም ይገልፁ።

ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብቲ ሕማም ተደሪኹ ዘተ እንትካየድ ላዕለዎት ክኢላታት ሕክምና ኣእምሮ፣ ግዳያትን ስድርኦምን ተረኺቦም ተላዚቦም እዮም።

ላዕለዋይ ክኢላ ሕክምና ኣእምሮ ዶክተር ማሙዬ ሙሴ ዘውድቕ ሕማም ብሰንኪ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዝፍጠር ሃንደበታዊ ነውፂ ዝረአን ሕክምና ዘለዎ ሕማም ምዃኑን ተዛሪቦም።

ዶክተር ማሙዬ ሙሴ
ዶክተር ማሙዬ ሙሴ

ኣብቲ ዋዕላ ዘውድቕ ሕማም ንዘለዎም ሰባት ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ ቀዳማይ ረድኤት ኣመልኪቱ ምስላዉ ምርኢት ቀሪቡ ተዘትይሉ።

ዘውድቕ ሕማም ከምቲ ሕብረተሰብ ዝብሎ ብግጉይ ልማዳዊ እምነት ዘይብገስን ድማስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ፈጺሙ ዘይመሓላለፍን ምዃኑ እውን ክፍለጥ ይግበኦ ኢሎም ዶክተር ማሙዬ።

ሰናይ ማሕበር ዘውድቕ ሕማም
ሰናይ ማሕበር ዘውድቕ ሕማም

ሕብረተሰብ ዘውድቕ ሕማም ዘለዎ ሰብ ምስ ወደቐ ብልሙድ ዝግበር ከም ናብ ኣፉ ፒሮን ዕንፀይትን ምእታውን ክርቢት ምጭናውን ዘየድልን ዘይሰርሕን ምዃኑ ፈሊጡ ካብዚ ተግባር እዚ ክቑጠብ ይግባእ እንትብሉ ምዒዶም።

Recommended

XS
SM
MD
LG