ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢማራት ብዘጋጠማ ባርዕ ተሓምሺሻ


ካብ ህንዲ ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢማራት ብዘጋጠማ ባርዕ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ተሓምሺሻ።

ኩሎም ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ብዘይዝኾነ ጉድኣት ካብታ ነፋሪት ከምዝወጹ ድማ ተሓቢሩ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ደድሕሪዚ ዝተፈጥረ ሓደጋ ብኡ ንብኡ ኩሉ ካብን ናብን እቲ መዕርፎ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ከምዘወንዘፎ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ጠንቂ ባርዕ ናይዛ ጀት ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢማራት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ካብ ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ጠንቂ ባርዕ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።

ካብ ህንዲ ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢማራት ብዘጋጠማ ባርዕ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ ተሓምሺሻ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:35 0:00

XS
SM
MD
LG