ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፓርታዥ ሃገራዊ ምርጫ 2007 ኢትዮጵያ


ኢትዮጵያዊያን ከድምፁ ውዒሎም።ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣብ ዝወዳደርሉ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ወረዳ ኣረካ ከተማ ቦሎ ሶሪ ድምፆም ምስ ሃቡ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ሰላማውን ዝተረጋግአን ምርጫ ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ኣነ እውን ከም ሓደ ዜጋ ንዝደልዮ ፓርቲ ድምፀይ ሂበ ኣለኹ።ፅቡቕ ከይዶ መረፃ ከምዘሎ ተረዲአ ኣለኹ።ዴሞክራሲና ክንደይ ይዓቢ ከምዘሎን ድልየት ህዝቢ እውን ዝተለዓዐለ ምዃኑን ዘርኢ እዩ…ኣዚና ሕጉሳት ኢና’’ኢሎም።

ኣብዚ ናይ ምርጫ ከባቢ ዝርከብ ሄኖክ ሰማእግዝሄር ብዙሓት ሰባት ድምፆም ንምሃብ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ተሰሊፎም ከምዝርኣየ ሓቢሩ’ሎ።ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይቲ ፓርቲ መልእኽቲ ብናይ መንግስቲ ኣካላት ከሕልፍ ፀኒሑ ስለዚ መንግስቲ ናይ ኢህወዴግን ናይ መንግስትን ገንዘብ ምፍላይ ኣብዩዎም ኢሎም ተቓወምቲ ፓርትታት ይኸሱ ኣለዎ ኢሉ ንቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓቲቱዎም መንግስቲ ይኹን ፓርቲ ብመሰረት ሕጊ ኦዲት ይግበሩ እዮም።ስለዚ መንግስትን ፓርትን ዝተሓዋወስሉ ኩነታት የለን ኢሎም።

ኣንፃር ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ዝወዳደሩ ዘለው ኣርቲስት ደስታ ዲያጎ ካብ ፓርቲ’’ኣዲስ ትውልድ’’ ቀኙ ሱቤ ካብ ‘’ሰማያዊ ፓርቲ’’ ክንስዕር ኢና ኢሎም።

ካብ ፓርቲ ኣዲስ ትውልድ ኣርቲስ ደስታ ዲያጎ ወሳኒ ህዝቢ እዩ፤ክንስዕር ኢና ኢልና ናብ ውድድር ኣቲና ኣለና ኢሉ።

ትሽዓተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይወዳደርሉ ኣብዘለው ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከተማ ኣምቦ መረፅቲ ድምፆም ክህቡ ውዒሎም ኣለው።ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እቲ ዞባ ንምርጫ ክዕዘቡ ዘቕረብኩዎም ተዓዘብቲ ነቲ ምርጫ ከይዕዘቡ ተኸልኪሎም ክብል ተቓዋሚ መድረኽ ኣማሪሩ’ሎ።ናይቲ ዞባ ሓላፊ ምርጫ ግን ነቲ ኽሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:02 0:00

XS
SM
MD
LG