ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሸሞንተ ኢትዮጵያዊያን አብ ሶማልያ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም


አብ ሶማልያ፡ አብ ልዕሊ ንኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዝጸዓነት መኪና ዘጋጠመ ሓደጋ ብውሑድ 8 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት 40 ድማ ምቁሳሎም ናይ ዓይኒ መሰካከር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ካብቶም አብታ መኪና ዝነበሩ ስደተኛታት ሓደ ጀማል አሕመድ ዑስማን ንቪኦኤ ክፍሊ ሶማልያ አብ ዝሓቦ ቃል፣እታ መኪና ን120 ሰባት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ጽዒና ምንባራ’ዩ ሓቢሩ።ጀማል እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ እታ መኪና ናብ ሓደ ወገን ድሕሪ ምዝዛዋ’ዩ ኢሉ።

እቲ ሓደጋ ካብ ከተማ ቦሳሶ 170 ኪ.ሜ ርሒቃ አብ ትርከብ ዋዬ አብ ትብሃል ከባቢ ከምዘጋጠመ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

በአሽሓት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ የመን ንምስዳድ ናብታ ከም መሰጋገሪ ዝጥቀምሉ ከተማ ቦሳሶ ዓመታዊ ይኣትው። እንተኾነ አብ መንጎ ብሳዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይሊ ጥምረትን ተቃወምቲ ሃውቲን ዘሎ ግጭት፣ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ካብ የመን ይወጹ’ኻ እንተሓለዉ ካልኦት ብአማኢት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያዊያን ድማ ናብ የመን ይኣትው።

XS
SM
MD
LG