ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሸቶታት ልምዓት ምንካይ ድኽነት ዝተዓወታ ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰምየን


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሸቶታት ልምዓት ሚለንየም ምንካይ ድኽነት ዝተዓወታ ሃገራት ኣፍሪካ ሸውዓተ ጥራሕ ምዃነን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዝኾነ ሪፓርት ገሊፁ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ዘዳለዎ ፀብፃብ ክንድ’ቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ዋላ እውን እንተዘይኮነ እዘን ሃገራት ድኽነት ምንካይ ክኢለን ኣለዋ ይብል።

ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ድኽነት ክንክያ ዝኽኣላ ሃገራት ግብፂ፣ቦትስዋና፣ደቡብ ኣፍሪካ፣ናሚቢያ፣ስዋዚላንድ፣ቱኒዚያን ጊኒን ብድምር ሸውዓተ ሃገራት ጥራሕ ምዃነን ተገሊፁ’ሎ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 1990 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ድኽነት ምንካየን እቲ ሪፖርት ይገልፅ።እቲ መግለፂ ብተወሳኺ ኣብ 1990 ዓ.ም 56.9 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን ድኽነት ኣብ 2012 ዓ.ም ናብ 42.8 ሚእታዊት ከምዝወረደ ይሕብር።

ኣብ ሸቶ ልምዓት ሚለንየም ንምዕዋት ዝተቐመጠ 28.4 ሚእታዊት ምዕዋት ከምዘይተኽኣለ ግን እቲ ሪፖርት ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG