ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ንምምካት ክልላዊ፡ፈደራላዊ መንግስታትን ዓለምለኸ መሻርኽትን ይሰርሑ ምህላዎም ፕረዝደንት’ቲ ክልል ኣፍሊጦም


ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝተኸሰተ ድርቂ ንምምካትን ረድኤት ንዘድልዮም ንምሕጋዝን ብክልላውን ፌደራላውን መንግስታት ከምኡ እውን ብዓለምለኸ መሻርኽቲ ይሰርሑ ምህላዎም ናይቲ ክልል ፕረዝደንት ኣፍሊጦም።

ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ እንስሳታቶም ከምዘስኣኑዎም ገለ ተሓገዝቲ ገሊፆም ኣለው።ሓለፍቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት (USAID)ን እቲ ደርቂ ዘስዓቦ ጉድኣትን ምንቅስቓስ ረድኤትን ብኣካል ኣብቲ ከባቢ ተረኺቦም ተዓዚቦም ኣለው።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዞባ ኮሪሆ ወረዳ ኩቱምቡር ነባሪ ዝኾኑ ዓብዱላሂ ካሊፍ ብሰንኪ እቲ ደርቂ ካብ ዝነበሩዎም ሓደ ሚእቲ ኣግማልን 250 ኣጣልን መብዛሕቲኦም ከምዝሞቱዎም ይገልፁ።

ካልኦት እውን እንስሳቶም ከምሃለቁዎም ገሊፆም ኣለው።ፈቖዶ መንገዲ ዘሎ ሕፅረት ማይን ዝሞቱ እንስሳትን ናይቲ ደርቂ ክብደት ዝሕብር እዩ።

እዚ ሓድሽ ደርቂ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብመንግስትን መሻርኽቱን ወግዓዊ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ መሕተቲ ሰነድ 5.6 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ህፁፅ ረድኤት መግቢ የድልዮም።ካብዚኦም 1.7 ሚሊዮን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ይርከቡ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንቅስቓስ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበረሉ እዚ ክልል ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ናብ ዝርከብሉ ሓገዝ ንምቕራብ ኣፀጋሚ እዩ።

ናይቲ ክልል መንግስቲ መግብን ማይን ዝዕደልሉ ጊዚያዊ ኑቕጣታት ብምዳልው ኣድላዪ ዘበለ ረድኤት ይቕርብ ከምዘሎ ይገልፅ።

እቲ ደርቂ ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ እንስሰታቶም ዝስኣኑ ተሓገዝቲ ዝተኣኻኸብሎም ኑቕጣታት ክስራሕ ከምዝፀንሐ ናይ ኢትዮጵያ ሶማል ክልላዊ መንግስቲ ፕረዝዳንት ዓብዲ መሓመድ ዖማር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቲ ደርቂ ንምምካትን ንተሓገዝቲ ንምርዳእን ብዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ዝሕገዝ ምዃኑ እውን ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈፃሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ፒተር ቡርማን ዘድሊ ሓገዝ ወግዓዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክትህብ ከምዝፀንሐትን ገሊፆም።

እዚ ኮይኑ ግን ህፁፅ ረድኤት መግብን ማይን ብፌደራላዊን ክልላዊ መንግስታትን መሻርኽቲ ትካላት ረድኤትን ይኻየድ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG